ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 37:1-24

ትሕዝቶ

  • ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት፡ ዕቤት ኣምላኽ ይገልጽ (1-24)

    • ኣምላኽ ንተግባር ሰብ ደው ኬብሎ ይኽእል (7)

    •  ‘ነቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ሕሰቦ’ (14)

    • ሰባት ንኣምላኽ ኪርድእዎ ኣይክእሉን እዮም (23)

    • ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ኺመስሎ ኣይግባእን (24)

37  “በዚ ልበይ ይወቅዕ፡ ካብ ቦታኡ ይዘልል ኣሎ።   ነቲ ዚሃምም ድምጹ፡ ነቲ ኻብ ኣፉ ዚመጽእ ነጕዲ ተጠንቂቕኩም ስምዕዎ።   ንዕኡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማያት ይፍንዎ፣ ንበርቁ ኸኣ ናብ ወሰናት ምድሪ ይሰድዶ።+   ድሕሪኡ ደሃይ ይጓዝም፣ ብግርማዊ ድምጺ የንጐድጕድ፣+ ድምጹ ምስ ተሰምዐ ድማ ኣይክልክሎን።   ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ብድምጹ የንጐድጕድ፣+ ክንርድኦ ዘይንኽእል ዓበይቲ ነገራት ይገብር።+   ንውርጭስ፡ ‘ናብ ምድሪ ውረድ፡’ ይብሎ፣+ ንዝናም ከኣ፡ ‘ኣበርቲዕካ ዝነም’ ይብሎ።+   ኵሉ መዋቲ ሰብ ግብሩ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ተግባር ሰብ ደው የብሎ።*   ኣራዊት ናብ መሕብኢኦም ይኸዱ፣ ኣብ ሰፈሮም ድማ ይቕመጡ።   ህቦብላ ንፋስ ካብ ክፍሉ ይነፍስ፣+ ዛሕሊ ኸኣ ካብ ንፋሳት ሰሜን ይመጽእ።+ 10  ብትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፣+ እቲ ገፊሕ ማያት ድማ ደስኪሉ ይግጎ።+ 11  እወ፡ ንደበናታት ብጠሊ የኽብዶ፣ ንበርቁ ኣብ ደበናታት ፋሕ የብሎ፣+ 12  ናብ ዝመርሖም ይጥወዩ፣ ኣብ ገጽ ብዘላ ዓለም* ዝኣዘዞም ዘበለ ይፍጽሙ።+ 13  ንመቕጻዕቲ*+ ዀነ፡ ንምድሪ ኢሉ ዀነ፡ ወይ ብተኣማንነት ፍቕሪ ንምርኣይ፡ ከም ዚኸውን ይገብሮ።+ 14  ኦ እዮብ፡ እዚ ስማዕ፣ ደው ኢልካ ነቲ ዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽ ተጠንቂቕካ ሕሰቦ።+ 15  ኣምላኽ ንደበናታት ከመይ ገይሩ ኸም ዚቈጻጸሮ፡* ንበርቂ ድማ ካብ ደበና ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጥ ዲኻ፧ 16  ደበናታት ከመይ ኢሉ ኸም ዜንሳፍፍ ትፈልጥ ዲኻ፧+ እዝስ ዜደንቕ ግብርታት እቲ ብፍልጠት ፍጹም ዝዀነ እዩ።+ 17  ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ጸጥ ምስ በለት፡ ክዳውንትኻ ስለምንታይ እዩ ዚሞቐካ፧+ 18  ንሰማያት ከም መስትያት ብረት ዝምትራሩ ጌርካ፡ ከምኡ ኽትዝርግሖዶ* ትኽእል፧+ 19  ንዕኡ እንታይ ከም እንብሎ ንገረና፣ ኣብ ጸልማት ስለ ዘለና፡ ክንምልስ ኣይከኣልናን። 20  ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪንገሮዶ ይግባእ፧ ወይስ ኪሕበሮ ዘለዎ ነገር እተዛረበዶ ኣሎ፧+ 21  ንሳቶም ብርሃን* እኳ ኺርእዩ ኣይከኣሉን። እዚ ኣብ ሰማይ ብሩህ እኳ እንተ ዀነ፡ ንፋስ ሓሊፉ ንደበናታት ክሳዕ ዜልግሶ ኣይርእይዎን። 22  ካብ ሰሜን ወርቃዊ ብርሃን ይመጽእ፣ ግርማ ኣምላኽ+ ዜፍርህ እዩ። 23  ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና፣+ ንሱ ብሓይሊ ዓብዪ እዩ፣+ ፍትሑን ብዝሒ ጽድቁን ድማ ከቶ ኣይጥሕስን።+ 24  ስለዚ፡ ሰባት ይፍርህዎ።+ ነቶም ጥበበኛታት ዝዀኑ ዚመስሎምሲ* ኣብሊጹ ኣይርእዮምን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንኢድ ኵሉ ሰብ ይሓትም።”
ወይ፡ “ፍርያም ምድሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሻቦጥ።”
ወይ፡ “ዚእዝዞ።”
ወይ፡ “ቀጥቂጥካ ኸተርቅቖዶ።”
ማለት፡ ናይ ጸሓይ።
ቃ.ቃ.፡ “ብልቦም ጥበበኛታት ዝዀኑሲ።”