ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 36:1-33

ትሕዝቶ

  • ኤሊሁ ንኣምላኽ ስለቲ ዘይምርመር ዕቤቱ ወደሶ (1-33)

    • እዙዛት ይብልጽጉ፣ ኣምላኽ ዘይብሎም ይድርበዩ (11-13)

    • ‘ከም ኣምላኽ ዝበለ መምህር መን እዩ፧’ (22)

    • እዮብ ንኣምላኽ ኬዕብዮ ኣለዎ (24)

    • “ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ” (26)

    • ኣምላኽ ንዝናምን ንበርቅን ይቈጻጸሮ (27-33)

36  ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ በለ፦   “ምእንቲ ኣምላኽ ገና ዘረባ ኣሎኒ እሞ፡ ክገልጽ ከለኹ ቝሩብ ተዓገሰኒ።   ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ብሰፊሑ ኽዛረብ እየ፣ ገባርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኽነግር እየ።+   ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፣ እቲ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ+ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ።   እወ፡ ኣምላኽ ሓያል እዩ፡+ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፣ ብሓይሊ ኣእምሮኡ* ዓብዪ እዩ፣   ህይወት እኩይ ኣየድሕንን እዩ፣+ ንውጹዕ ግና ፍትሒ ይህቦ።+   ኣዒንቱ ኻብ ጻድቕ ኣየልዕልን፣+ ምስ ነገስታት* ኣብ ዝፋን የቐምጦም እሞ፡+ ንዘለኣለም ልዕል ይብሉ።   ግናኸ፡ ብመቝሕ እንተ ተኣሲሮም፡ ብኣግማድ ጸበባ ድማ እንተ ተታሒዞም፡   ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ኣበሳኦም ይገልጸሎም። 10  ኣእዛኖም ንመአረምታ ይኸፍት፣ ካብ ክፉእ ግብሪ ኺምለሱ ኸኣ ይነግሮም።+ 11  እንተ ተኣዚዞምዎን እንተ ሰሚዖምዎን፡ መዓልትታቶም ብብልጽግና፡ ዓመታቶም እውን ብደስታ እናነበሩ ይፍጽሙ።+ 12  እንተ ዘይተኣዚዞም ግና፡ ብሰይፊ* ኺጠፍኡ፡+ ብዘይ ፍልጠት እውን ኪሞቱ እዮም። 13  እቶም ብልቦም ኣምላኽ ዘይብሎም* ቂም ይሕዙ። ምስ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን። 14  ገና ብንእስነቶም ይሞቱ፣*+ ህይወቶም ኣብ መንጎ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ የሕልፉ።*+ 15  ኣምላኽ* ግና ንውጹዓት ብግዜ ጸበባኦም የናግፎም፣ ምስ ተጨቈኑ፡ ኣእዛኖም ይኸፍት። 16  ካብ ኣፍ ጭንቂ፡+ ናብቲ ኻብ ቀይዲ ናጻ ዝዀነ ገፊሕ ቦታ ይስሕበካ፣+ ኣብ መኣድኻ ኸኣ ንምጽንናዕ ዚኸውን ስቡሕ ምግቢ የቕርበልካ።+ 17  ፍርዲ ምስ ተዋህበን ፍትሒ ምስ ተደገፈን፡ ሽዑ፡ በቲ ኣብ እኩይ ዚወርድ ፍርዲ ኽትዓግብ ኢኻ።+ 18  ግናኸ፡ ነድሪ ናብ ክፍኣት* ከይመርሓካ ተጠንቀቕ፣+ ብዙሕ ጉቦ ኸኣ ኬስሕተካ ኣይትሕደግ። 19  ኣውያትካ ወይ ዜትዕብ ጻዕርኻዶ ኻብ ጭንቂ ኺሕልወካ ይኽእል እዩ፧+ 20  ነታ ሰባት ካብ ቦታኦም ዚጠፍኡላ ለይቲ ኣይትናፍቃ። 21  ካብ ጸበባስ ክፉእ ተግባር ሓሪኻ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ።+ 22  እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፣ ከምኡ ዝበለ መምህር መን እዩ፧ 23  መገዱ ዝሓበሮ* መን እዩ፧+ ‘ጌጋ ኢኻ ጌርካ’ ዚብሎኸ መን እዩ፧+ 24  ነቲ ሰባት ዝዘመሩሉ ተግባሩ+ ኸተዕብዮ ዘክር።+ 25  ኵሎም ሰባት ርእዮምዎ፣ መዋቲ ሰብ ግና ካብ ርሑቕ ይጥምት። 26  እወ፡ ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ፣+ ቍጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ምግንዛቡ ዘይከኣል* እዩ።+ 27  ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣+ ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ። 28  ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ፣+ ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን የንጠብጥቦ። 29  ንቐጸላ ደበናታት፡ ካብ ድንኳኑ* ንዚወጽእ ነጕዲ ኺርድኦ ዚኽእል ኣሎዶ፧+ 30  ንበርቁ* ኣብ ልዕሊኡ ኸመይ ከም ዚዝርግሖ ርአ፣+ ንመዓሙቝ* ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ። 31  በዚ ኸምዚ ንህዝብታት ይዕንግሎም፣* ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ይህቦም።+ 32  ብኣእዳዉ ንበርቂ ይሽፍኖ፣ ናብ ዕላማኡ ኸኣ ይመርሖ።+ 33  ነጕዱ ብዛዕባኡ ይነግር፣ ማል እኳ መን* ይመጽእ ከም ዘሎ ይነግራ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ልቡ።”
ወይ፡ “ንነገስታት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብኣጽዋር (ብተወርዋሪ)።”
ወይ፡ “ከሓድቲ።”
ወይ፡ “ነፍሶም ትመውት።”
ወይ፡ “የጥፍኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ወይ፡ “ብኽፍኣት ናብ ምጥቓዕ።”
ወይ፡ “ብዛዕባ መገዱ ዝነቐፎ (ተሓታቲ ዝገበሮ)” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዘይምርመር።”
ቃ.ቃ.፡ “ዳሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንብርሃኑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሰራውር።”
ወይ፡ “ይማጐተሎም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “እንታይ” ኪኸውን ይኽእል።