ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 35:1-16

ትሕዝቶ

  • ኤሊሁ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዮብ ኣቃልዖ (1-16)

    • እዮብ፡ ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ’ በለ (2)

    • ኣምላኽ ኣዝዩ ልዑል፡ ብሓጢኣት ዘይጽሎ እዩ (5, 6)

    • እዮብ ንኣምላኽ ኪጽበዮ ይግባእ (14)

35  ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ቅኑዕ ምዃንካ ኽሳዕ ክንደይ ስለ እተኣማመንካ ኢኻ ‘ካብ ኣምላኽ እጸድቕ እየ’ እትብል፧+   ከመይሲ፡ ‘እዚ እንታይ ይግድሰካ፧* ካብቲ እንተ ዝሓጥእ ዝረኽቦዶ ዚሓይሽ እረክብ እየ፧’ ትብል ኢኻ።+   ኣነ ኽምልሰልካ፡ ምሳኻ እውን ንብጾትካ።+   ናብ ሰማይ ጠምት እሞ ርአ፣ ነቲ ኻባኻ ልዒሉ ዘሎ ደበናታት ተዓዘብ።+   እንተ ሓጢእካስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትጐድኦ፧+ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፡ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧+   ጻድቕ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ እትህቦ፧ ካባኻስ እንታይ እዩ ዚቕበል፧+   እከይካ ንኸምዚ ኸማኻ ሰብ ጥራይ እዩ ዚጸሉ፣ ጽድቅኻ ኸኣ ንወዲ ሰብ።   ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጭቈና ሰባት ይምህለሉ፣ ካብ ዕብለላ* ሓያል ኪናገፉ ድማ የእውዩ።+ 10  ግናኸ፡ ሓደ እኳ፡ ‘እቲ ለይቲ ኸም ዚዝመር ዚገብር+ ኣምላኽ፡ እቲ ዓብዪ ገባርየይ፡ ኣበይ ኣሎ፧’ ኣይብልን።+ 11  ንሱ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ+ ይምህረና፣+ ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ኣብሊጹ የጥብበና። 12  ሰባት የእውዩ፣ ንሱ ግና ብሰንኪ ትዕቢት እኩያት ኣይምልሰሎምን።+ 13  ኣምላኽሲ ብርግጽ ባዶ ኣውያት* ኣይሰምዕን፡+ እቲ ዅሉ ዚኽእል እውን ኣየቕልብን እዩ። 14  ከም ዘይትርእዮ ምስ ጠራዕካ ደኣ ዝገደደ ደይከውንን!+ ጕዳይካ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፣ ስለዚ፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ።+ 15  ንሱስ ብቝጥዓ ኣይጸባጸብን፣ ንብዝሒ ታህዋኽካ ድማ ኣየስተውዕሎን።+ 16  እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ምስ ኣምላኽ ይዛረብ ኣሎ ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “ቅልጽም።”
ወይ፡ “ሓሶት።”