ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 33:1-33

ትሕዝቶ

  • ኤሊሁ ንእዮብ፡ ርእሱ ስለ ዘጽደቐ ገንሖ (1-33)

    • በጃ ተረኽበ (24)

    • ናብ ንእስነት ምምላስ (25)

33  “ሕጂ ግና፡ ኦ እዮብ፡ ዘረባይ ስማዕ፣ ንዅሉ እቲ ዝብሎ ድማ ጽን በል።   በጃኻ እሞ ርአ! ኣፈይ ክኸፍት እየ፣ ልሳነይ* እውን ክትዛረብ እያ።   ቃላተይ ካብ ቅንዕና ልበይ እዩ ዚመጽእ፣+ ከናፍረይ ከኣ ዝፈልጦ እየን ብቕንዕና ዚነግራ።   መንፈስ ኣምላኽ እዩ ገይሩኒ፣+ ትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ እዩ ህያው ገይሩኒ።+   እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፣ ኣብ ቅድመይ ቌምካ መጐተኻ ኣቕርብ።   እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከማኻ እየ፣ ኣነ እውን ካብ መሬት እየ ተቐሪጸ።+   ስለዚ፡ ንዓይ ፈሪህካ ኽትሽበር የብልካን፣ ካባይ ዚመጽእ ጸቕጢ እውን ኪኸብደካ የብሉን።   ግናኸ፡ እናሰማዕኩኻ ኸምዚ ኢልካ፡ እወ፡ እዚ ቓላት እዚ ሰሚዐ እየ፦   ‘ኣነ ንጹህ ብዘይ ኣበሳ እየ፣+ ጽሩይ ብዘይ ሓጢኣት እየ።+ 10  ኣምላኽ ግና ንምጽራረይ ምኽንያት ይረክብ፣ ከም ጸላኢኡ እውን ይርእየኒ።+ 11  ንኣእጋረይ ኣብ ጕንዲ የእትወን፣ ንዅለን መገድታተይ ከኣ ይቋመተን።’+ 12  እዚ ብምባልካስ ቅኑዕ ኣይኰንካን እሞ፡ ክምልሰልካ እየ፦ ኣምላኽ ካብ መዋቲ ሰብ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ።+ 13  ስለምንታይ ኢኻ እተማርሮ፧+ ንዘረባኻ ስለ ዘይመለሰልካ ዲኻ፧+ 14  ኣምላኽሲ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፣ ዜቕልብ ግና የልቦን። 15  ብሕልሚ፡ ብራእይ ለይቲ፡+ ሰባት ከቢድ ድቃስ ምስ ደቀሱ፡ ኣብ ዓራቶም እውን ምስ ደቀሱ፡ ይዛረብ። 16  ሽዑ፡ ንኣእዛኖም ቀሊዑ፡+ ትምህርቱ ይቐርጸሎም፣* 17  ንሰብ ካብ ክፉእ ግብሩ ኺመልሶ፡+ ካብ ትዕቢት ኪስውሮ ይዛረብ።+ 18  ኣምላኽ ንነፍሱ* ኻብ ጕድጓድ፡*+ ንህይወቱ ድማ ብሰይፊ* ኸይትጠፍእ ይባልሃ። 19  ሰብ ኣብ ዓራቱ ብስቓይን ብቐጻሊ ጭንቂ ኣዕጽምቱን እውን ይግናሕ። 20  ሽዑ፡ ህይወቱ ንእንጌራ፡ ነፍሱ እውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።+ 21  ዘይርአ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይምህምን፣ እቲ ሕቡእ ዝነበረ ኣዕጽምቱ ይወጽእ።* 22  ነፍሱ* ናብ ጕድጓድ፡* ህይወቱ እውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ። 23  ንሰብ ቅኑዕ ዘበለ ዚነግሮ፡ እተላእከሉ ልኡኽ፡* ካብ ሽሕሲ ሓደ ጠበቓ እንተ ዚህሉ፡ 24  ሽዑ፡ ኣምላኽ ሞገሱ የርእዮ እሞ፡ ‘ናብ ጕድጓድ* ካብ ምውራድ ይድሓን!+ በጃ ረኺበ ኣለኹ!+ 25  ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣*+ ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ’ ይብል።+ 26  ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡+ ንሱ ኪቕበሎ፡ ንሱ ኸኣ ገጹ ብእልልታ ኺርእዮ፡ ጽድቁ ድማ ናብቲ መዋቲ ሰብ ኪመልስ እዩ። 27  እቲ ሰብ እቲ ንሰባት ከምዚ ይብሎም፦* ‘ሓጢአ፡+ ቅኑዕ ዘበለ እውን ኣቕኒነ፣ ዚግብኣኒ ግና ኣይረኸብኩን።* 28  ንሱ ንነፍሰይ* ናብ ጕድጓድ* ከይትኸይድ ተበጅይዋ፣+ ህይወተይ ከኣ ብርሃን ክትርኢ እያ።’ 29  እወ፡ ኣምላኽ ንሰብ እዚ ዅሉ፡ ክልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ይገብረሉ። 30  ካብ ጕድጓድ* ኪመልሶ፡* ብብርሃን ህይወት ኪበርሃሉ ኢሉ ኸምኡ ይገብረሉ።+ 31  ኦ እዮብ፡ ኣቕልብ! ስምዓኒ! ስቕ በል እሞ፡ ክዛረብ። 32  እትብሎ እንተ ኣልዩካ፡ መልሰለይ። ቅኑዕ ምዃንካ ኸረጋግጽ እደሊ እየ እሞ፡ ተዛረብ። 33  እትብሎ እንተ ዘይብልካ ግና፡ ስምዓኒ፣ ስቕ በል እሞ፡ ክምህረካ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ልሳነይ ምስ ትንሓገይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይሓትመሎም።”
ወይ፡ “ንህይወቱ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ብኣጽዋር (ብተወርዋሪ)።”
ወይ፡ “ይግየጽ።”
ወይ፡ “ህይወቱ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “መልኣኽ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ይጥዐ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይዝምረሎም።”
ወይ፡ “ግናኸ፡ ኣይጠቐመንን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንህይወተይ።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “መቓብር።”
ወይ፡ “ንነፍሱ ኺመልሳ።”