ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 28:1-28

ትሕዝቶ

  • እዮብ ንመዛግብቲ ምድሪ ምስ ጥበብ ኣነጻጸሮ (1-28)

    • ሰብ ዚገብሮ ጻዕርታት ዕደና (1-11)

    • ጥበብ ካብ ሉላት ትበልጽ (18)

    • ፍርሃት የሆዋስ ጥበብ እዩ (28)

28  “ንብሩር ዚዕደነሉ ቦታ፡ ንወርቂ ኸኣ ዜጻርዩሉ ቦታ ኣለዎ፣+   ሓጺን ካብ ምድሪ ይውሰድ፣ ነሓሲ ድማ ካብ ኣኻውሕ መኺኹ ይወጽእ።*+   ሰብ ንጸልማት ይስዕሮ፣ ኣብ ድነን ጸልማትን ክሳዕ ዚክኣሎ ይምርምር፡ ሓመድ ብረት* ድማ ይደሊ።   ኣብ እተረስዐ ቦታታት፡ ካብቲ ሰብ ዚመላለሰሉ ርሒቑ፡ ካብቲ ሰብ ዚነብረሉ ርሒቑ፡ ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዅዕት፣ ገሊኦም ሰባት ይወርዱ፡ ጠልጠል እውን ይብሉ።   ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምግቢ ይበቍል፣ ኣብ ታሕቲ ግና፡ ከም ብሓዊ፡ ህውከት ኣሎ።*   ኣብኡ እቲ ኣእማን፡ ሰፊሮስ እዩ፣ እቲ ሓመድ ከኣ ወርቂ ኣለዎ።   ኣሞራ ነታ መገዲ ኣይፈልጣን፣ ዓይኒ ሊሎ ድማ ኣይረኣየታን።   ግርማ ዘለዎም ኣራዊት ኣይረግጽዋን፣ ዘይባጽሐ ኣንበሳ እውን ተጸናትዩ ኣይንቀሳቐሰላን።   ሰብ ብኢዱ ንኸውሒ ኣዝሒት ይወቕዖ፣ ንኣኽራን ካብ መሰረቱ ይግልብጦ። 10  ኣብ ኣኻውሕ መትረብ+ ማይ ይነድል፣ ኣዒንቱ ድማ ክቡር ዘበለ ይርእያ። 11  ንምንጪ ኣፍላግ ይዓብሶ፣ ንሕቡእ ከኣ ናብ ብርሃን የውጽኦ። 12  ጥበብ ግና፡ ኣበይ እያ እትርከብ፧+ ምንጪ ኣእምሮኸ ኣበይ እዩ፧+ 13  ዋጋኣ ዚፈልጥ ሰብ የልቦን፣+ ኣብ ምድሪ ህያዋን እውን ኣይትርከብን። 14  መዓሙቝ ማያት፡ ‘ንሳ ኣባይ የላን!’ ይብል፣ ባሕሪ ኸኣ፡ ‘ምሳይ የላን!’ ይብል።+ 15  ብጽሩይ ወርቂ ኣይትዕደግን፣ ንምልዋጣ ድማ ብሩር ኣይምዘንን።+ 16  ብወርቂ ኦፊር ኰነ፡+ ብኽቡር ኦኒክስን ብሰፊሮስን ኣይትዕደግን። 17  ወርቅን መረጼንን ኣይወዳደራን፣ ብኣቕሓ ጽሩይ ወርቂ እውን ኣይትልወጥን።+ 18  ክቡር ዕንቍን* ክሪስታልን እሞ ኺጥቀስ እኳ ኣይግብኦን፣+ ጥበብሲ ኻብ ከረጺት ምሉእ ሉላት ትበልጽ። 19  ናይ ኩሽ ቶጳዝዮን+ እኳ ኣይወዳደራን፣ ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን። 20  ጥበብ ግና ካበይ እያ እትመጽእ፧ ምንጪ ኣእምሮኸ ኣበይ እዩ፧+ 21  ካብ ኣዒንቲ ዅሎም ህያዋን ተሓቢኣ ኣላ፣+ ካብ ኣዕዋፍ ሰማያት ከኣ ተሰዊራ ኣላ። 22  ጥፍኣትን ሞትን፡ ‘ኣእዛንና ወሪኣ ጥራይ እየን ሰሚዐን’ ይብሉ። 23  ኣምላኽ ግና እትርከበሉ መገዲ ይርድኦ፣ ንሱ በይኑ ጥራይ ኣበይ ከም እትነብር ይፈልጥ።+ 24  ከመይሲ፡ ንሱ ንወሰናት ምድሪ ይምልከቶ፣ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማያት ዘሎ ድማ ይርእዮ።+ 25  ሓይሊ* ንፋስ ኪውስን ከሎ፡+ ንማያት ከኣ ኪሰፍሮ ኸሎ፡+ 26  ንዝናም ስርዓት ኪገብረሉ ኸሎ፡+ ንነጐድጓዳዊ ደበና ድማ መገዲ ኺገብረሉ ኸሎ፡+ 27  ሽዑ፡ ንጥበብ ርእዩ ገለጻ፣ ሰሪቱ እውን ፈተና። 28  ንሰብ ከኣ፡ ‘እንሆ፡ ፍርሃት የሆዋስ፡ ንሱ ጥበብ እዩ፣+ ካብ ክፉእ ምርሓቕ ድማ ኣእምሮ እዩ’ በሎ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ይፈስስ።”
ቃ.ቃ.፡ “እምኒ።”
ንመስርሕ ዕደና ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ቃ.ቃ.፡ “መርጀንን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ክብደት።”