ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 27:1-23

ትሕዝቶ

  • እዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ቘረጸ (1-23)

    • “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ” (5)

    • እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ ተስፋ የብሉን (8)

    • ‘ዘረባኹም ባዶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧’ (12)

    • እኩይ ሓንቲ ዘይብሉ ይተርፍ (13-23)

27  እዮብ ድማ መሊሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦*   “ከምቲ እቲ ፍትሒ ዝኸልኣኒ ኣምላኽ ህያው ዝዀነ፡+ከምቲ እቲ ዘመረረኒ* ዅሉ ዚኽእል ህያው ዝዀነ፡+   ትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ ክሳዕ ዘሎ፡መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡+   ከናፍረይ ዓመጻ ኣይኪዛረባን እየን፡ልሳነይ እውን ተንኰል ኣይከተዕዘምዝምን እያ!   ንስኻትኩም ጻድቃን ኢኹም ክብልሲ ዘይሕሰብ እዩ! ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን* እየ!+   ንጽድቀይ ኣጽኒዐ ኽሕዝ፡ ከቶ እውን ኣይክሓድጎን እየ፣+ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡* ልበይ ኣይኪዅንነንን* እዩ።   ጸላእየይ ከም እኩይ ይኹን፣እቶም ዜጥቅዑኒ ድማ ከም ዓማጺ ይኹኑ።   እቲ ኣምላኽ ዘይብሉ* ምስ ጠፍአ፡ኣምላኽ ከኣ ንህይወቱ* ምስ ኣጥፍኣስ፡ እንታይ ተስፋ ኣለዎ፧+   ጭንቂ ምስ ወረዶ፡ኣምላኽዶ ኣውያቱ ይሰምዕ እዩ፧+ 10  ወይስ በቲ ዅሉ ዚኽእልዶ ደስ ይብሎ እዩ፧ ኵሉ ግዜኸ ናብ ኣምላኽዶ ይምህለል እዩ፧ 11  ብዛዕባ ሓይሊ* ኣምላኽ ክምህረኩም፡ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ሓንቲ እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ። 12  እንሆ፡ ኵላትኩም ራእያት እንተ ርኢኹም ደኣ፡ዘረባኹም ፈጺሙ ባዶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ 13  ካብ ኣምላኽ ዚውሃብ ግደ እቲ እኩይ፡+ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ዚቕበልዎ ርስቲ ጨቈንቲ እዚ እዩ። 14  ደቁ እንተ በዚሖም፡ ብሰይፊ ይወድቁ፣+ዘርኡ ኸኣ እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን። 15  እቶም ተረፉ ብመቕዘፍቲ ይቕበሩ፣መበለታቶም ድማ ኣይበኽያሎምን። 16  ንብሩር ከም ሓመድ እኳ እንተ ዀመሮ፡ንብሉጽ ክዳውንቲ እውን ከም መሬት እኳ እንተ ደለቦ፡ 17  ዋላ እኳ እንተ ኣከቦ፡ጻድቕ ይኽደኖ፣+ንጹህ ከኣ ንብሩሩ ይማቐሎ። 18  እታ ዚሰርሓ ቤት፡ ከም ቆፎ ሓሰኻ ተነቃፊት እያ፣ከምታ ሓላዊ ዚሰርሓ ጎጆ እያ።+ 19  ሃብቲሙ ይድቅስ፣ ግናኸ፡ ሓንቲ እኳ ኣይእክብን፣ኣዒንቱ ምስ ከፈተ፡ ኣብኡ ሓንቲ እኳ ኣይትህሉን። 20  ሽበራ ኸም ውሒዝ የርክቦ፣ህቦብላ ኸኣ ብለይቲ ይምንዝዖ።+ 21  ንፋስ ምብራቕ ይወስዶ እሞ ይኸይድ፣ካብ ቦታኡ ይጸርጎ።+ 22  ካብ ሓይሉ ንምህዳም ሒዅ ኪብል ከሎ፡+ብዘይ ድንጋጽ ናብኡ ይውርወር።+ 23  ብኣእዳዉ የጣቕዓሉ፣ካብ ቦታኡ ድማ የፋጽየሉ።*+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብምስላ ኸምዚ በለ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ዘመረራ።”
ወይ፡ “ክሕሉ።”
ወይ፡ “ብሓንቲ ኻብ መዓልትታተይ እኳ።”
ወይ፡ “ኣይኬባጭወለይን።”
ወይ፡ “እቲ ኸሓዲ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ብኢድ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብኣእዳዎም የጣቕዑሉ፣ ካብ ቦታኦም ድማ የፋጽዩሉ” ኪኸውን ይኽእል።