ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 25:1-6

ትሕዝቶ

  • ሳልሳይ ዘረባ ቢልዳድ (1-6)

    • ‘ሰብ ከመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧’ (4)

    • ንጽህና ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይዛረብ (5, 6)

25  ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ግዝኣትን ዜፍርህ ሓይልን ናቱ እዩ፣ ኣብ ሰማይ* ሰላም ይገብር።   ሰራዊቱዶ ኪቝጸሩ ይኽእሉ፧ ብርሃኑ ዘይበርቆኸ መን ኣሎ፧   መዋቲ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ ይኽእል፧+ ወይስ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ገይሩ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧+   ወርሒ እኳ ብርህቲ ኣይኰነትን፣ ከዋኽብቲ እውን ኣብ ኣዒንቱ ንጹሃት ኣይኰኑን።   መዋቲ ሰብ እዚ እቡብ፡ ወዲ ሰብ እዚ ሓሰኻ ደኣ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ በረኽቱ።”