ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 2:1-13

ትሕዝቶ

  • ሰይጣን መሊሱ ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ (1-5)

  • ሰይጣን ንሰብነት እዮብ ኪወቅዕ ተፈቕደሉ (6-8)

  • ሰበይቲ እዮብ፡ “ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” በለቶ (9, 10)

  • ሰለስተ ብጾት እዮብ መጹ (11-13)

2  ድሕርዚ፡ እታ ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ*+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚቘሙላ መዓልቲ መጸት፣+ ሰይጣን እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኪቐውም ኣብ መንጎኦም ኣተወ።+  ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “ካበይ መጺእካ፧” በሎ። ሰይጣን ድማ ንየሆዋ፡ “ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጺአ” ኢሉ መለሰሉ።+  የሆዋ ኸኣ ንሰይጣን፡ “ንጊልያይ እዮብ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን። ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን* ቅኑዕን ሰብ እዩ።+ ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ* ኢልካ ኸተለዓዕለኒ እኳ እንተ ፈተንካ፡+ ብጽኑዕ ንጽህናኡ ይሕሉ ኣሎ”+ በሎ።  ሰይጣን ግና ንየሆዋ፡ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ* ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ።  ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዓጽሙን ስጋኡን ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+  ሽዑ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ “እንሆ፡ ንሱ ኣብ ኢድካ* እዩ። ሓንትስ ህይወቱ* ኸይተጥፍኣ ተጠንቀቕ!” በሎ።  ሰይጣን ከኣ፡ ካብ ቅድሚ* የሆዋ ወጺኡ፡ ንእዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ብዜሳቒ ምጕልንጭዋ* ወቕዖ።+  እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሓክከሉ ኢሉ ገልዒ ወሰደ፣ ኣብ ሓምዅሽቲ ኸኣ ተቐመጠ።+  ሰበይቱ ኸኣ፡ “ገናዶ ብጽኑዕ ንጽህናኻ ትሕሉ ኣለኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” በለቶ። 10  ንሱ ግና፡ “ከም ዓያሹ ኣንስቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጽቡቕ ጥራይ ተቐቢልናስ፡ ክፉእከ ኣይንቕበልንዶ፧” በላ።+ በዚ ዅሉ፡ እዮብ ብኸናፍሩ ኣይሓጥአን።+ 11  ሰለስተ ብጾት* እዮብ፡ ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናውን ቢልዳድ+ እቲ ሹሓውን+ ሶፋር+ እቲ ናዓማውን፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝወረዶ መዓት ሰሚዖም፡ ካብ በቦታኦም ናብኡ መጹ። ከይዶም ምስ እዮብ ኪሓዝኑን ኬጸናንዕዎን ድማ ብሓደ ኺራኸቡ ተቛጸሩ። 12  ካብ ርሑቕ ምስ ረኣይዎ፡ ኣየለለይዎን። ዓው ኢሎም ከኣ በኸዩ፡ ክዳውንቶም እውን ቀደዱ፡ ሓመድ ድማ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም በተኑ።+ 13  ሸውዓተ መዓልትን ሸውዓተ ለይትን ከኣ ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ ኣዝዩ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ድማ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።+

እግረ ጽሑፍ

ነቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ዜመልክት ቍንቍኛ እብራይስጢ።
ወይ፡ “መንቅብ ዘይብሉን።”
ቃ.ቃ.፡ “ክውሕጦ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ኣብ ትሕቲ ቝጽጽርካ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጽ።”
ወይ፡ “ብብርቱዕ ቍስሊ።”
ወይ፡ “ፈለጥቲ።”