ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 12:1-25

ትሕዝቶ

  • ምላሽ እዮብ (1-25)

    • “ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ” (3)

    • “መስሓቒ ዀይነ ኣለኹ” (4)

    • ‘ኣብ ኣምላኽ ጥበብ ኣሎ’ (13)

    • ኣምላኽ ልዕሊ ፈራዶን ነገስታትን እዩ (17, 18)

12  እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦   “ብሓቂ ንስኻትኩም እትፈልጡ ሰባት ኢኹም፣* ጥበብ ከኣ ብዘይ ብኣኻትኩም ክትመውት እያ!   ግናኸ፡ ኣነ እውን ኣእምሮ* ኣሎኒ። ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ። ነዚ ዘይፈልጥ መን እዩ፧   ኣነ ምላሽ ደልየ ናብ ኣምላኽ እተማህለልኩስ፡+ ንብጾተይ መስሓቒ ዀይነ ኣለኹ።+ ጻድቕን መንቅብ ዘይብሉን ሰብሲ መስሓቒ ዀይኑ ኣሎ።   ቅሱን ንመዓት ይንዕቆ፣ ነቶም ኣእጋሮም ሰንከልከል ዚብላ* ጥራይ ዚበጽሖም ይመስሎ።   ድንኳናት ከተርቲ ብሰላም ይነብር ኣሎ፣+ እቶም ንኣምላኽ ዜቘጥዕዎ፡ እቶም ኣምላኾም ኣብ ኣእዳዎም ዝሓዙ፡ ደሓን ረኺቦም ኣለዉ።+   ግናኸ፡ በጃኻ ንእንስሳታት ሕተት እሞ፡ ኪምህሩኻ እዮም፣ ንኣዕዋፍ ሰማያት እውን ጠይቕ እሞ፡ ኪነግራኻ እየን።   ወይስ ብዛዕባ ምድሪ ሕሰብ* እሞ፡ ክትምህረካ እያ፣ ዓሳታት ባሕሪ እውን ኪነግሩኻ እዮም።   ካብዚኣቶም ኵሎምሲ፡ ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበረቶ ዘይፈልጥ መን እዩ፧ 10  ህይወት* ኵሉ ህያውን መንፈስ* ኵሉ ሰብን* ኣብ ኢዱ እዩ።+ 11  ከምቲ ልሳን* ንምግቢ እተስተማቕሮስ፡ እዝኒዶ ንቓላት ኣይትፍትኖን እያ፧+ 12  ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡+ ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧ 13  ኣብኡ ጥበብን ሓይልን ኣሎ፣+ ምኽርን ኣእምሮን ከኣ ኣለዎ።+ 14  ንሱ ምስ ዜፍርስ፡ ዳግም ኪህነጽ ኣይከኣልን፣+ ንሱ ዝዓጸዎ፡ ኪኸፍቶ ዚኽእል የልቦን። 15  ንማያት ምስ ዚኽልክሎ፡ ኵሉ ይነጽፍ፣+ ምስ ዚሰድዶ ድማ፡ ንምድሪ ይውሕጣ።+ 16  ኣብኡ ብርታዐን ግብራዊ ጥበብን ኣሎ፣+ እቲ ዚስሕትን እቲ ዜስሕትን ናቱ እዮም፣ 17  ንሱ ንኣማኸርቲ ጥራይ እግሮም የኺዶም፣* ንፈራዶ እውን ዓያሹ ይገብሮም።+ 18  ንማእሰር ነገስታት ይፈትሖ፣+ ኣብ ሕቘኦም ድማ ዕጣቕ የዕጥቖም። 19  ንኻህናት ጥራይ እግሮም የኺዶም፣+ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንዑ ኸኣ ይግልብጦም፣+ 20  ንእሙናት ኣማኸርቲ፡ ዘረባ የሕድጎም፣ ንኣረገውቲ* ልብምናኦም የግድፎም፣ 21  ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣+ ንሓያላት እውን ድኹማት ይገብሮም፣* 22  ካብ ጸልማት፡ መዓሙቝ ይቐልዕ፣+ ንድቕድቕ ጸልማት ድማ ናብ ብርሃን የምጽኦ፣ 23  ኬጥፍኦም ኢሉ፡ ንኣህዛብ የዕብዮም፣ ናብ ምርኮ ኺወስዶም ኢሉ ኸኣ፡ ንኣህዛብ የስፍሖም፣ 24  ንመራሕቲ ህዝቢ፡ ኣእምሮኦም* የሕድጎም፣ መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+ 25  ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፣+ ከም ስኹራት ድማ ኰለል የብሎም።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንስኻትኩም ህዝቢ ኢኹም።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቢ።”
ወይ፡ “ዜንደልህጻ።”
ወይ፡ “ንምድሪ ተዛረባ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ትንፋስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ ሰብን።”
ቃ.ቃ.፡ “ትንሓግ።”
ወይ፡ “ንኣማኸርቲ ዘለዎም ኵሉ ይቕንጥጦም።”
ወይ፡ “ንሽማግለታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ዕጣቕ ሓያላት የላሕልሕ።”
ቃ.ቃ.፡ “ልቦም።”