ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እዮብ 10:1-22

ትሕዝቶ

  • ምላሽ እዮብ ይቕጽል (1-22)

    • ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ዚብኣሰኒ፧’ (2)

    • ኣብ መንጎ ኣምላኽን እቲ መዋቲ እዮብን ዘሎ ፍልልይ (4-12)

    • ‘ገለ ራህዋ እርከብ’ (20)

10  “ኣነ* ንህይወተይ ፈንፊነያ።+ ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ። ብመሪር ጭንቀይ* ክዛረብ እየ!   ንኣምላኽ ከምዚ እብሎ ኣለኹ፦ ‘በዳሊ ኢልካ ኣይትዀንነኒ። ስለምንታይ ትብኣሰኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።   ምኽሪ እኩይ እናመረጽካ፡ ንተግባር ኣእዳውካ ምጭቋንን ምንዓቕንዶ ይጠቕመካ እዩ፧+   ኣዒንቲ ስጋዶ ኣሎካ እዩ፧ ከምቲ መዋቲ ሰብ ዚርእዮ ጌርካዶኸ ትርኢ ኢኻ፧   መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት መወትቲ ድየን፡ ወይስ ዓመታትካ ኸም ዓመታት ሰብ ድየን+   ስሕተተይ እትምርምርን ሓጢኣተይ እትደልን፧+   በዳሊ ዘይምዃነይ ትፈልጥ ኢኻ፣+ ካብ ኢድካ ኼድሕነኒ ዚኽእል ከኣ የልቦን።+   ኣእዳውካ እየን ዝቐረጻንን ዝገበራንን፣+ ሕጂ ግና ፈጺምካ ተጥፍኣኒ ኣለኻ።   ካብ መሬት ከም ዝገበርካኒ በጃኻ ዘክር፣+ ሕጂ ግና ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣለኻ።+ 10  ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፧ ከም ኣጅቦዶኸ ኣየርጋእካንን፧ 11  ቈርበትን ስጋን ኣልቢስካኒ፣ ብኣዕጽምትን ብጅማውትን ከኣ ኣሊምካኒ።+ 12  ህይወት ሂብካኒ፡ ብተኣማንነት ድማ ኣፍቂርካኒ፣ ንመንፈሰይ* ከኣ ብኽንክንካ ሓሊኻዮ።+ 13  ግናኸ፡ ብሕቡእ እዚ ኽትገብር ሓሊንካ።* እዚ ኻባኻ ምዃኑ እፈልጥ እየ። 14  እንተ ዝሓጥእ፡ ምተቛመትካኒ፡+ ካብ ስሕተተይ ከኣ ናጻ ኣይምገበርካንን። 15  በዳሊ እንተ ዀይነ፡ ወይለይ! ንጹህ እኳ እንተ ዀይነ ድማ፡ ርእሰይ ከልዕል ኣይክእልን እየ፣+ ከመይሲ፡ ውርደትን ጸበባን ጸጊበ ኣለኹ።+ 16  ርእሰይ እንተ ዘልዕል፡ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፣+ ኣንጻረይ ከኣ ሓይልኻ መርኣኻ። 17  ሓደስቲ መሰኻኽር ኣንጻረይ መምጻእካ፣ ሽግር ድሕሪ ሽግር ኣብ ልዕለይ እናኣምጻእካ፡ ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕካዮ። 18  ስለምንታይ ደኣ ኻብ ማሕጸን ኣውጺእካኒ፧+ ዓይኒ ኸይረኣየትኒ እባ ሞይተ እንተ ዝኸውን፣ 19  ሽዑ፡ ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ ነይረ፣ ካብ ማሕጸን ከኣ ብቐጥታ ናብ መቓብር ምወረድኩ ነይረ።’ 20  መዓልትታተይ ሒደት ደይኰናን፧+ ይሕደገኒ፣ ገለ ራህዋ ኽረክብሲ፡* ኣዒንቱ ኻባይ የልግስ።+ 21  እወ፡ ናብ ምድሪ ድቕድቕ ጸልማት*+ ቅድሚ ምኻደይ፡—ኣይክምለስን ከኣ እየ፡+ 22  ናብ ምድሪ ብርቱዕ ድነ፡ ናብ ምድሪ ግብ ዝበለ ጽላሎትን ህውከትን፡ ናብቲ ብርሃን እኳ ኸም ድነ ዝዀነሉ ኸይከድኩ የልግሰለይ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ብምረት ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ንትንፋሰይ፣ ንህይወተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነዚ ኣብ ልብኻ ሓቢእካዮ።”
ወይ፡ “ቍሩብ ክሕጐስሲ።”
ወይ፡ “ናብ ምድሪ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን።”