ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 24:1-33

ትሕዝቶ

  • እያሱ ታሪኽ እስራኤል ዘርዘረ (1-13)

  • ንየሆዋ ኼገልግልዎ ተማሕጸኖም (14-24)

    • “ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል” (15)

  • እያሱ ምስ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን (25-28)

  • እያሱ ሞተን ተቐብረን (29-31)

  • ኣዕጽምቲ ዮሴፍ ኣብ ሰኬም ተቐብረ (32)

  • ኣልኣዛር ሞተን ተቐብረን (33)

24  እያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፣ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንርእስታቶምን ንፈራዶኦምን ንኣሕሉቖምን+ ከኣ ጸውዖም እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደው በሉ።  እያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ጥንቲ ኣቦታትኩም፡+—ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡—ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ይነብሩ ነበሩ፣+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ የገልግሉ ነበሩ።+  “‘ንኣቦኹም ኣብርሃም+ ድማ ካብ ስግር እቲ ፈለግ* ወሲደ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ከነኣን ከም ዚመላለስ ገበርክዎ፡ ዘርኡ እውን ኣብዛሕኩ።+ ይስሃቅ ከኣ ሃብክዎ፣+  ንይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብክዎ።+ ንኤሳው ከኣ ከረን ሰዒር ርስቱ ገይረ ሃብክዎ፣+ ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ።+  ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸኣ፡+ ንግብጺ ኸምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ ወቓዕክዋ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ኣውጻእኩኹም።  ንኣቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከለኹ፡+ ናብ ባሕሪ በጻሕኩም፣ ግብጻውያን ከኣ ንኣቦታትኩም ብሰረገላታትን ብፈረሰኛታትን ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ሰዓብዎም።+  ንሳቶም ድማ ናብ የሆዋ ኣእወዩ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፣ ነቲ ባሕሪ ድማ ናብ ልዕሊኦም ኣምጺኡ ደፈኖም፣+ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ኸኣ ኣዒንትኹም ረኣያኦ።+ ኣብ በረኻ ድማ ብዙሕ ዓመታት* ተቐመጥኩም።+  “‘ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኣምጻእኩኹም፣ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም።+ ኣነ ኸኣ ምድሮም ምእንቲ ኽትርስተዩ፡ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፡ ካብ ቅድሜኹም እውን ኣጥፋእክዎም።+  ሽዑ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምእንቲ ኺረግመኩም ኢሉ ድማ፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ጸውዖ።+ 10  ኣነ ግና ንበላዓም ኣይሰማዕክዎን።+ ስለዚ፡ ንሱ ደጋጊሙ መረቐኩም፡+ ኣነ ኸኣ ካብ ኢዱ ኣናገፍኩኹም።+ 11  “‘ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም+ ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም።+ መራሕቲ* ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጊርጋሳውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ከኣ ተዋግኡኹም፣ ኣነ ድማ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም።+ 12  ቀቅድሜኹም ከኣ ሕልናኦም ኣዕረብኩሎም፣* ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ድማ ካብ ቅድሜኹም ሰጐጕክዎም እምበር፡+ ብሰይፍኻ ወይ ብቐስትኻ ኣይኰነን።+ 13  በዚ ኸምዚ፡ ዘይጸዓርኩምላ ምድርን ዘይሰራሕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፣+ ንስኻትኩም ከኣ ተቐመጥኩምወን። ካብ ዘይተኸልኩምዎ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን ድማ ትበልዑ ኣለኹም።’+ 14  “እምበኣር፡ ንየሆዋ ፍርህዎ፡ ብንጽህናን* ብተኣማንነትን* ከኣ ኣገልግልዎ፣+ ኣቦታትኩም ኣብ ስግር እቲ ፈለግን* ኣብ ግብጽን ዘገልገልዎም ኣማልኽቲ ኣርሒቕኩም ድማ፡+ ንየሆዋ ኣገልግልዎ። 15  ሕጂ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ክፉእ እንተ መሲሉኩም፡ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ስግር እቲ ፈለግ* ዘገልገልዎም ኣማልኽቲ+ ወይ ኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትቕመጡ ዘለኹም ኣሞራውያን፡+ ሎሚ ሕረዩ።+ ኣነን ቤተ ሰበይን ግና፡ ንየሆዋ ኢና እነገልግል።” 16  እቶም ህዝቢ ኸኣ ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ንየሆዋ ሓዲግና፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸነገልግልሲ፡ ኣባና ዘይሕሰብ እዩ። 17  እቲ ንዓናን ንኣቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣና፡+ እዚ ዓበይቲ ትእምርትታት እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡+ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መገድን ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ህዝብታትን ከኣ ዝሓለወና፡ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ 18  የሆዋ ንዅሎም እዞም ኣብዛ ኣብ ቅድሜና ዘላ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት፡ እንተላይ ንኣሞራውያን፡ ሰጒጕዎም እዩ። እምበኣር፡ ንሱ ኣምላኽና ስለ ዝዀነ፡ ንሕና እውን ንየሆዋ ኢና እነገልግል።” 19  እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “ንየሆዋ ኸተገልግልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ንሱስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እውን እዩ።+ ኣበሳኹምን* ሓጢኣትኩምን ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።+ 20  ንየሆዋ ሓዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩም፡ ንሱ እውን ጽቡቕ ምስ ገበረልኩም፡ ተመሊሱ ኼጽንተኩም እዩ።”+ 21  እቶም ህዝቢ ኸኣ ንእያሱ፡ “ኣይፋልናን፡ ንየሆዋ ደኣ ኢና እነገልግል” በልዎ።+ 22  እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ “ንየሆዋ ኸተገልግልዎ ባዕላትኩም ከም ዝሓረኹም፡ ንስኻትኩም ንርእስኹም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም።+ ንሳቶም ከኣ፡ “መሰኻኽር ኢና” በሉ። 23  “እምበኣር፡ ነቶም ኣብ መንጎኹም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቕዎም፡ ልብኹም ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዘንብሉ።” 24  እቶም ህዝቢ ኸኣ ንእያሱ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽና ኸነገልግል፡ ድምጹ ድማ ክንሰምዕ ኢና” በልዎ። 25  እያሱ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኺዳን ኣተወ፡ ስርዓትን ፍርድን ድማ ኣብ ሴኬም ኣቘመሉ። 26  እያሱ ኸኣ ነዚ ቓላት እዚ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሓፎ፣+ ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ድማ፡+ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ መቕደስ የሆዋ ዝነበረ ገዚፍ ኦም ኣቘሞ። 27  እያሱ ኸኣ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ “እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበለና ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ምስክር ኪዀነና እዩ፣+ ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኸይትኽሕድዎ እውን፡ ምስክር ኪዀነኩም እዩ” በሎም። 28  ሽዑ፡ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ።+ 29  ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ድማ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።+ 30  ኣብታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ+ እትብሃል ዓዲ ርስቱ ኸኣ ቀበርዎ። 31  እስራኤል ድማ ብዅሉ ዘመን እያሱን ብዅሉ ዘመን እቶም ድሕሪ እያሱ ዝጸንሑ እሞ ዅሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ዝገበሮ ግብርታት ዚፈልጡ ዓበይትን፡ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ።+ 32  እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዘደየብዎ ኣዕጽምቲ ዮሴፍ ከኣ፡+ ኣብ ሴኬም፡ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር፡ ኣቦ ሴኬም፡ ብ100 ቀሲጣ* ዝዓደጋ ኽፋል ግራት ቀበርዎ፣+ ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ዀነቶም።+ 33  ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን እውን ሞተ።+ ኣብታ ንወዱ ፊንሃስ+ እተዋህበት ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ዅርባ ኸኣ ቀበርዎ።

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”
ማለት፡ ብሸነኽ ምብራቕ።
ወይ፡ “ሰብ መሬት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣሰምበድክዎም፣ ኣሸበርክዎም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብዘይ መንቅብን።”
ወይ፡ “ብሓቅን።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ወይ፡ “ዕልወትኩምን።”
ዓይነት ገንዘብ።