ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 23:1-16

ትሕዝቶ

  • እያሱ ንመራሕቲ እስራኤል ተሰናበቶም (1-16)

    • ሓንቲ ቓል የሆዋ እኳ ኣይወደቐትን (14)

23  የሆዋ ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም+ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት፡ እያሱ እውን ኣሪጉ ብዕድመ ምስ ደፍአ፡+  እያሱ ንብዘለዉ እስራኤል፡+ ንዓበይቶምን ንርእስታቶምን ንፈራዶኦምን ንኣሕሉቖምን+ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣነ ኣሪገ፡ ብዕድመ ድማ ደፊአ እየ።  እቲ ዚዋግኣልኩም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ምእንታኹም ዝገበሮ፡ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።+  ርኣዩ፡ ምድሪ እቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣህዛብን+ እቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ኣህዛብን፡+ ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ እቲ ብምዕራብ* ዘሎ እቲ ዓብዪ ባሕሪ፡* ንነገዳትኩም ርስቲ ኪኸውን ብዕጫ መቒለኩም እየ።+  እቲ ኻብ ቅድሜኹም ዚደፍኦም ዝነበረ የሆዋ ኣምላኽኩም እዩ፣+ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ሰጐጎም፣* ከምቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ዘተስፈወኩም ድማ፡ ንስኻትኩም ምድሮም ተረስተኹም።+  “ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡+ ካብኡ ኸኣ ናብ የማን ኰነ ናብ ጸጋም ከይተላግሱ፡+ ኣዚኹም ትብዑ፣  ምስዞም ምሳኻትኩም ዘለዉ ዝተረፉ ኣህዛብ እዚኦም እውን ኣይትጸምበሩ።+ ስም ኣማልኽቶም ድማ ኣይትስመዩ፡+ ብኣታቶም ከኣ ኣይትምሓሉ፡ ኣይተገልግልዎምን ኣይትስገዱሎምን እውን።+  ከምዚ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርኩምዎ ደኣ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ልገቡ።+  ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ኪቐውም ኣይከኣለን እሞ፡+ የሆዋ ኻብ ቅድሜኹም ዓበይትን ሓያላትን ኣህዛብ ኪሰጕጕ እዩ።+ 10  የሆዋ ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም+ ኪዋግኣልኩም እዩ እሞ፡+ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጕጎም እዩ።+ 11  ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብምፍቃር፡+ ወትሩ ተሓለዉ።*+ 12  “ንድሕሪት ተመሊስኩም ናብዞም ካብዞም ኣህዛብ ምሳኻትኩም ዝተረፉ እንተ ለጊብኩም እሞ፡+ ምሳታቶም እንተ ተዋሲብኩምን+ እንተ ሓቢርኩምን ንሳቶም እውን እንተ ሓቢሮምኹምን ግና፡ 13  የሆዋ ኣምላኽኩም ነዞም ኣህዛብ ከም ዘይሰጕጐልኩም* ብርግጽ ፍለጡ።+ ካብዛ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጠፍኡ ድማ፡ ንዓኻትኩም መጻወድያን መፈንጠራን፡ ንጐድንኹም መግረፊ፡+ ንኣዒንትኹም ከኣ እሾዅ ኪዀኑኹም እዮም። 14  “እንሆ ድማ፡ ኣነ ንሞት ቀሪበ ኣለኹ፣* ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኸም ዘይወደቐት፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን* ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ኵሉ ተፈጺሙልኩም እዩ። ካብኡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይወደቐትን።+ 15  ግናኸ፡ ከምቲ ዅሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ጽቡቕ ተስፋታት ዝመጸኩም፡+ ከምኡ ድማ የሆዋ ዅሉ እቲ ንሱ ዝበለኩም መዓት* ኬውርደልኩም፡ ካብዛ የሆዋ ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ኬጥፍኣኩም እዩ።+ 16  ነቲ የሆዋ ኣምላኽኩም ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን እንተ ጥሒስኩም፡ ኬድኩም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምን እንተ ሰጊድኩምን፡ ሽዑ ቝጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡+ ካብታ ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ብቕልጡፍ ክትጠፍኡ ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብምዕራብ ጸሓይ።”
ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
ወይ፡ “ኣልቀቖም።”
ወይ፡ “ነፍሳትኩም ተጠንቂቕኩም ሓልዉ።”
ወይ፡ “ዘየልቅቐልኩም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣነ ሎሚ ብመገዲ ዅላ ምድሪ እኸይድ ኣለኹ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ኵሉ ኽፉእ ቃል።”