ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 22:1-34

ትሕዝቶ

  • ብምብራቕ ዚነብሩ ነገዳት ተመልሱ (1-8)

  • ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ ሰርሑ (9-12)

  • ትርጉም እቲ መሰውኢ ተገልጸ (13-29)

  • እተላዕለ ግጭት ደቀሰ (30-34)

22  ሽዑ፡ እያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ጸውዖም፡  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ንስኻትኩም ኵሉ እቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዘኩም ሓሊኹም ኢኹም፣+ እቲ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ቓለይ እውን ተኣዚዝኩም ኢኹም።+  ብዅሉ እዚ ግዜ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንኣሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፣+ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ዘሎኩም ናይ ትእዛዙ ግዴታ እውን ሓሊኹም ኢኹም።+  ሕጂ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ንኣሕዋትኩም፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ኣዕሪፍዎም እዩ።+ ስለዚ፡ ሕጂ ናብ ድንኳናትኩም፡ ናብታ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ክትርስተይዋ ዝሃበኩም ምድሪ ኽትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም።+  ሓንትስ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ብምፍቃርን+ ብዅሉ መገድታቱ ብምምልላስን+ ትእዛዛቱ ብምሕላውን+ ናብኡ ብምልጋብን+ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን*+ ንዕኡ ብምግልጋልን፡+ እቲ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ኣዚኹም ተጠንቂቕኩም ግበሩ።”+  እያሱ ኸኣ መሪቑ ሰደዶም፣ ናብ ድንኳናቶም ድማ ከዱ።  ንፍርቂ ነገድ ምናሴ ኸኣ፡ ሙሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎም ነበረ፣+ ነቲ ፍርቁ ድማ፡ እያሱ ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ፡+ ምስ ኣሕዋቶም ርስቲ ሃቦም። እያሱ ናብ ድንኳናቶም ኪሰድዶም ከሎ ኸኣ፡ መረቖም፡  ከምዚ እውን በሎም፦ “ምስ ብዙሕ ሃብትን ምስ ኣዝየን ብዙሓት ማልን ምስ ብሩርን ወርቅን ነሓስን ሓጺንን ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንትን ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።+ ነቲ ምርኮ ጸላእትኹም ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ።”+  ድሕርዚ፡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ካብቶም ዝተረፉ እስራኤላውያን፡ ካብታ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ ሺሎ ነቒሎም፡ ናብ ምድሪ ጊልዓድ፡+ ናብታ በቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ እተቐመጥዋ ምድሪ ርስቶም ተመልሱ።+ 10  ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘሎ ዞባታት ዮርዳኖስ ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዓብዪ ምርኡይ መሰውኢ ሰርሑ። 11  እቶም ካልኦት እስራኤላውያን ከኣ ብዛዕባ እዚ ሰሚዖም፡+ “እንሆ፡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ወሰን ምድሪ ከነኣን፡ ኣብቲ ሸነኽ እስራኤላውያን ዝዀነ ዞባታት ዮርዳኖስ መሰውኢ ሰሪሖም ኣለዉ” በሉ። 12  እስራኤላውያን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ኪኸዱ፡ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣብ ሺሎ ተኣከበ።+ 13  ሽዑ፡ እስራኤላውያን ንፊንሃስ+ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር፡ ናብ ሮቤላውያንን ናብ ጋዳውያንን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለኣኽዎ። 14  ምስኡ ድማ ዓሰርተ ሹማምንቲ፡ ከካብ ማይ ቤት ኵሎም ነገዳት እስራኤል ሓሓደ ሹም፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት* እስራኤል ርእሲ ማይ ቤቶም ዝዀኑ ነበሩ።+ 15  ናብ ሮቤላውያንን ናብ ጋዳውያንን ናብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ምስ መጹ፡ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፦ 16  “ኵሉ ኣኼባ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እዚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝጠለምኩምዎ ጥልመት እንታይ እዩ፧+ ንዓኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕን ካብ የሆዋ ብምዕላውን፡ ሎሚ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ተመሊስኩም ኣለኹም።+ 17  ሓጢኣት ጴዖርዶ ኣይኣኽለናን፧ ኣብ ኣኼባ የሆዋ መዓት እኳ እንተ ወረደ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብኡ ኣይነጻህናን ኣለና።+ 18  ሎሚ ድማ፡ ንስኻትኩም ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ተመሊስኩም! ሎሚ፡ ካብ የሆዋ እንተ ዓሊኹም፡ ጽባሕ ንሱ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ኪቝጥዖ እዩ።+ 19  እታ ምድሪ ርስትኹም ርኽስቲ እንተ ዀይና፡ ናብታ ማሕደር የሆዋ ዚነብረላ+ ምድሪ ርስቲ የሆዋ+ ስገሩ እሞ፡ ኣብ መንጎና ተቐመጡ፣ ግናኸ፡ ካብ የሆዋ ኣይትዕለዉ፡ ኣብ ርእሲ እቲ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕ እውን ንዓና ኣይተዕልዉና።+ 20  ዓካን+ ወዲ ዜራሕ ምስቲ ንጥፍኣት እተመጠወ ብዚተሓሓዝ ምስ ጠለመስ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባ እስራኤል ቍጥዓዶ ኣይወረደን፧+ በቲ ስሕተቱ ዝሞተ ሰብ ከኣ ንሱ ጥራይ ኣይኰነን።’”+ 21  ሽዑ፡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ነቶም ርእስታት ኣሽሓት* እስራኤል ከምዚ ኢሎም መለሱሎም፦+ 22  “የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ!* የሆዋ ኣምላኽ ኣማልኽቲ!+ ንሱ ይፈልጥ እዩ፡ እስራኤል እውን ኪፈልጦ እዩ። ካብ የሆዋ እንተ ዓሊናን እንተ ጠሊምናዮንሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይንሓፈና። 23  ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሕብረትን ድማ ምእንቲ ኸነቕርበሉ ኢልና መሰውኢ እንተ ሰሪሕና፡ የሆዋ ይቕጽዓና።+ 24  የግዳስ፡ ብኻልእ ነገር ሰጊእና ኢና እዚ ጌርና፣ ከመይሲ፡ ‘ኣብ መጻኢ፡ ደቅኹም ንደቅና፡ “ምስ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኩም፧ 25  ኣቱም ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ የሆዋ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ። ኣብ የሆዋ ግደ የብልኩምን” ኪብልዎም እዮም። ደቅኹም ከኣ ንደቅና ንየሆዋ ኸየምልኽዎ* ኺዓግትዎም እዮም።’ 26  “ስለዚ፡ ከምዚ በልና፦ ‘መሰውኢ ብምስራሕ ስጕምቲ ንውሰድ፣ ግናኸ ንዚሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ኣይኰነን፣ 27  የግዳስ፡ ንየሆዋ ብዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ሕብረትን ከነገልግሎ፡+ ኣብ መጻኢ ድማ ደቅኹም ንደቅና፡ “ኣብ የሆዋ ግደ የብልኩምን” ከይብልዎም፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎናን፡ ብድሕሬና ድማ ኣብ መንጎ ደቅና* ምስክር ምእንቲ ኪኸውን እዩ።’+ 28  ስለዚ፡ ‘ኣብ መጻኢ፡ ንዓና ወይ ንደቅና* ኸምኡ እንተ ኢሎምና፡ ንሕና ኸኣ፡ “ንዚሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ምስክር ኪኸውን ኢሎም ኣቦታትና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ የሆዋ ርኣዩ” ኽንብሎም ኢና’ በልና። 29  ብዘይካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ የሆዋ ኣምላኽና፡+ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ እኽልን ንመስዋእቲ ሕሩድን ዚኸውን መሰውኢ ብምስራሕ፡ ካብ የሆዋ ኽንዓሉን ሎሚ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ክንምለስንሲ፡ ኣባና ዘይሕሰብ እዩ!”+ 30  ካህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምንቲ ኣኼባን ርእስታት ኣሽሓት* እስራኤልን፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ቓል ምስ ሰምዑ፡ ዓገቡ።+ 31  ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ “ንስኻትኩም በዚ ጥልመት እዚ ንየሆዋ ስለ ዘይጠለምኩምዎ፡ የሆዋ ኣብ መንጎና ኸም ዝዀነ ሎሚ ፈሊጥና። ሕጂ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ የሆዋ ኣድሒንኩምዎም ኢኹም” በሎም። 32  ሽዑ፡ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን እቶም ሹማምንትን፡ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ከነኣን ናብ ካልኦት እስራኤላውያን ቃል ሒዞም ተመልሱ። 33  እስራኤላውያን ከኣ በቲ ቓል ዓገቡ። እስራኤላውያን ከኣ ንኣምላኽ ወደስዎ፣ ነታ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ዚቕመጡላ ምድሪ ኼጥፍእዋ ኢሎም ናባታቶም ብዛዕባ ምድያብ ድማ፡ ደጊም ኣይተዛረቡን። 34  ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ከኣ፡ “የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ” ስለ ዝበሉ፡ ነቲ መሰውኢ ሰመይዎ።*

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ብሸነኽ ምብራቕ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “እንዳታት።”
ወይ፡ “እንዳታት።”
ወይ፡ “እቲ መለኮት፡ የሆዋ ኣምላኽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኸይፈርህዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ወለዶና።”
ቃ.ቃ.፡ “ንወለዶና።”
ወይ፡ “እንዳታት።”
ብመሰረት እቲ እተዋህበ መግለጺ፡ እቲ መሰውኢ፡ “ምስክር” ተባሂሉ ተሰምዩ ኪኸውን ኣለዎ።