ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 19:1-51

ትሕዝቶ

  • ርስቲ ስምኦን (1-9)

  • ርስቲ ዛብሎን (10-16)

  • ርስቲ ይሳኮር (17-23)

  • ርስቲ ኣሴር (24-31)

  • ርስቲ ንፍታሌም (32-39)

  • ርስቲ ዳን (40-48)

  • ርስቲ እያሱ (49-51)

19  እቲ ኻልኣይ ዕጫ+ ድማ ንስምኦን፡ ንነገድ ስምኦን+ በብዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርስቲ ይሁዳ እዩ።+  ርስቶም እዚ እዩ፦ ብኤር-ሸባዕ+ ምስ ሸባዕ፡ ሞላዳ፡+  ሓጻር-ሹዓል፡+ ባላ፡ ዔጸም፡+  ኤልቶላድ፡+ በቱል፡ ሖርማ፡  ጺቅላግ፡+ ቤት-ማርካቦት፡ ሓጻር-ሱሳ፡  ቤት-ለባኦት፡+ ሻሩሔን—13 ኸተማን ሰፈራተንን፣  ዓዪን፡ ሪሞን፡ ዔተር፡ ዓሻን+—ኣርባዕተ ኸተማን ሰፈራተንን፣  ኵለን እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚአን ዝነበራ ሰፈራት ክሳብ በዓላት-ብኤር፡ እታ ናይ ደቡብ ራማ። ርስቲ ነገድ ስምኦን በብዓሌቶም እዚ እዩ።  ግደ ይሁዳ ንዓታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ስለ ዝነበረ፡ ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ብጽሒት ይሁዳ ተወስደ። ስለዚ፡ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ።+ 10  እቲ ሳልሳይ ዕጫ+ ድማ ንደቂ ዛብሎን+ በብዓሌቶም ወጸሎም፣ ዶብ ርስቶም ከኣ ክሳብ ሳሪድ ኰነ። 11  ዶቦም ድማ ናብ ምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ደዪቡ፡ ናብ ዳበሸት በጽሐ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዮቅነዓም ዘሎ ስንጭሮ* ኸኣ በጽሐ። 12  ካብ ሳሪድ ድማ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ፡ ናብ ዶብ ኪስሎት-ታቦር ከይዱ፡ ናብ ዳብራት+ ወጸ፣ ናብ ያፊዓ ኸኣ ደየበ። 13  ካብኣ ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ናብ ጋት-ሔፈርን+ ናብ ዒታ-ቃጺንን ሓሊፉ፡ ናብ ሪሞን ወጸ፡ ናብ ኔዓ ኸኣ ተሓንጸጸ። 14  እቲ ዶብ ከኣ ንዓኣ ዞይሩ ብሰሜን ናብ ሓናቶን ኣበለ፡ እቲ ዜብቅዓሉ ድማ እዚ እዩ፦ ስንጭሮ ይፍታሕ-ኤል፡ 15  ቃጣት፡ ናሃላል፡ ሺምሮን፡+ ዪድኣላ፡ ቤት-ልሄም+—12 ኸተማን ሰፈራተንን። 16  ርስቲ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም+ እዚ እዩ። እተን ከተማታትን ሰፈራተንን ከኣ እዚኣተን እየን። 17  እቲ ራብዓይ ዕጫ+ ንይሳኮር፡+ ንደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም ወጸሎም። 18  ዶቦም ድማ እዚ እዩ፦ ይዝርኤል፡+ ኬሱሎት፡ ሹነም፡+ 19  ሓፍራዪም፡ ሺኦን፡ ኣናሓራት፡ 20  ራቢት፡ ቂሽዮን፡ ኣቤጽ፡ 21  ሬመት፡ ዔን-ጋኒም፡+ ዔን-ሓዳ፡ ቤት-ጳጼጽ። 22  እቲ ዶብ ከኣ ናብ ታቦርን+ ሻሓጺማን ቤት-ሸመሽን በጽሐ፣ ዶቦም ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብቅዐ—16 ኸተማን ሰፈራተንን። 23  ርስቲ ነገድ ይሳኮር በብዓሌቶም፡+ እተን ከተማታትን ሰፈራተንን፡ እዚ እዩ። 24  እቲ ሓምሻይ ዕጫ+ ድማ ንነገድ ኣሴር+ በብዓሌቶም ወጸሎም። 25  ዶቦም ከኣ እዚ እዩ፦ ሔልቃት፡+ ሓሊ፡ ቤጤን፡ ኣክሻፍ፡ 26  ኣላመሌክ፡ ዓምዓድ፡ ሚሽኣል። ናብ ምዕራብ ናብ ቀርሜሎስን+ ናብ ሺሖር-ሊብናትን በጽሐ፣ 27  ናብ ምብራቕ ድማ ናብ ቤት-ዳጎን ተመሊሱ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ሰሜን ስንጭሮ ይፍታሕ-ኤልን ናብ ቤት-ዔመቅን ነዒኤልን በጽሐ፡ ብጸጋም ከኣ ናብ ካቡል ወጸ፣ 28  ናብ ዔብሮንን ሬሖብን ሓሞንን ቃናን እውን፡ ክሳብ እታ ዓባይ ሲዶን+ ወጸ። 29  እቲ ዶብ ድማ ናብ ራማ፡ ክሳብ እታ እተዓርደት ከተማ ጢሮስ+ ተመልሰ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሖሳ ተመልሰ፣ እቲ ኣብ ባሕሪ ዜብቅዓሉ ድማ እዚ እዩ፦ ዞባ ኣክዚብ፡ 30  ዑማ፡ ኣፌቅ፡+ ሬሖብ+—22 ከተማን ሰፈራተንን። 31  ርስቲ ነገድ ኣሴር በብዓሌቶም+ እዚ እዩ። እተን ከተማታትን ሰፈራተንን እዚኣተን እየን። 32  እቲ ሻድሻይ ዕጫ+ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም ወጸሎም። 33  ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍ፡ ካብቲ ኣብ ጸዓናኒም+ ዘሎ ዓብዪ ኦም፡ ካብ ኣዳሚ-ኔቈብን ያብንኤልን ክሳብ ላቁም እዩ፣ ኣብ ዮርዳኖስ ከኣ ኣብቅዐ። 34  እቲ ዶብ ድማ ናብ ምዕራብ ናብ ኣዝኖት-ታቦር ተመሊሱ፡ ካብኡ ናብ ሑቆቅ ወጸ፣ ብደቡብ ከኣ ናብ ዛብሎን፡ ብምዕራብ ድማ ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ እውን ናብ ይሁዳ ኣብ ዮርዳኖስ በጽሐ። 35  እተን እተዓርዳ ኸተማታት ከኣ እዚኣተን እየን፦ ጺድም፡ ጼር፡ ሓማት፡+ ራቃት፡ ኪነረት፡ 36  ኣዳማ፡ ራማ፡ ሓጾር፡+ 37  ቀደሽ፡+ ኤድረይ፡ ዔን-ሓጾር፡ 38  ዪርኦን፡ ሚግዳል-ኤል፡ ሖሬም፡ ቤት-ዓናት፡ ቤት-ሸመሽ+—19 ኸተማን ሰፈራተንን። 39  ርስቲ ነገድ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡+ እተን ከተማታትን ሰፈራተንን፡ እዚ እዩ። 40  እቲ ሻውዓይ ዕጫ+ ንነገድ ዳን+ በብዓሌቶም ወጸሎም። 41  ዶብ ርስቶም ድማ እዚ እዩ፦ ጾርዓ፡+ ኤሽታኦል፡ ዔር-ሸመሽ፡ 42  ሻዓላቢን፡+ ኣያሎን፡+ ዪትላ፡ 43  ኤሎን፡ ቲምና፡+ ዔቅሮን፡+ 44  ኤልትቄ፡ ጊብቶን፡+ በዓላት፡ 45  ይሁድ፡ በነ-ብራቅ፡ ጋት-ሪሞን፡+ 46  መ-ያርቆን፡ ራቆን፡ ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ*+ ዘሎ ዶብ። 47  ንዳን ግና ዓዶም ጸበቦም።+ ደዪቦም ከኣ ንለሼም+ ተዋጊኦም ሓዝዋ፡ ብሰይፊ ድማ ወቕዕዋ። ንዓኣ ተረስትዮም ከኣ ተቐመጥዋ፣ ንለሼም ድማ ብስም ኣቦኦም ዳን፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ።+ 48  ርስቲ ነገድ ዳን በብዓሌቶም እዚ እዩ። እተን ከተማታትን ሰፈራተንን ከኣ እዚኣተን እየን። 49  በዚ ኸምዚ፡ ነታ ምድሪ በብሃገራ መቒሎም ወድኡ። እስራኤላውያን ከኣ ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሃብዎ። 50  ከም ትእዛዝ የሆዋ፡ እታ ዝደለያ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘላ ቲምናት-ሴራሕ+ እትብሃል ከተማ ሃብዎ፣ ንሱ ድማ ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጠ። 51  እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን፡ ኣብ ሺሎ+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡+ ብዕጫ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ።+ ነታ ምድሪ መቒሎም ከኣ ወድኡ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ዮጴ።”