ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 18:1-28

ትሕዝቶ

  • እታ ዝተረፈት ምድሪ ኣብ ሺሎ ተማቐልዋ (1-10)

  • ርስቲ ብንያም (11-28)

18  ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ድማ ኣብ ሺሎ+ ተኣከበ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ተገዚኣትሎም ነበረት እሞ፡+ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ተኸልዎ።+  ግናኸ፡ ካብ እስራኤላውያን ርስቶም ዘይበጽሖም ሸውዓተ ነገዳት ተሪፎም ነበሩ።  እያሱ ድማ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ “ነዛ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ኼድኩም ንምርስታያ ኽሳዕ መዓስ ኢኹም ዕሽሽ እትብሉ፧+  ምእንቲ ኽልእኮም፡ ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰባት ሃቡኒ፣ ንሳቶም ከኣ ይኺዱ እሞ፡ ነታ ምድሪ ዀሊሎም ከከም ርስቶም ይጽሓፉዋ። ናባይ ድማ ይመለሱ።  ኣብ መንጎኦም ከኣ ኣብ ሸውዓተ ግደ ይምቀልዋ።+ ይሁዳ ኣብ ዓዱ ብደቡብ ይኹን፡+ ቤት ዮሴፍ እውን ኣብ ዓዶም ብሰሜን ይኹኑ።+  ንስኻትኩም ድማ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ግደ ጽሓፍዋ፡ ናብዚ ናባይ ከኣ ኣምጽኡለይ፣ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ዕጫ ኸውድቐልኩም እየ።+  ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት የሆዋ እዩ እሞ፡+ ኣብ መንጎኹም ግደ የብሎምን፣+ ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ከኣ፡+ ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ዝሃቦም ርስቶም ድሮ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ወሲዶም እዮም።”  እቶም ሰባት ድማ ኪኸዱ ተዳለዉ፣ እያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኺጽሕፍዋ ዚኸዱ፡ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ዀሊልኩም ጽሓፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፣ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ሺሎ ዕጫ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም።+  ሽዑ፡ እቶም ሰባት ከይዶም በታ ምድሪ ሓለፉ፣ በብኸተማታት ኣብ ሸውዓተ ግደ ጸሓፍዋ፡ ኣብ መጽሓፍ እውን መዝገብዋ። ድሕሪኡ፡ ናብ እያሱ፡ ናብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ሰፈር ተመልሱ። 10  እያሱ ድማ ኣብ ሺሎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዕጫ ኣውደቐሎም።+ ኣብኡ ኸኣ እያሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤላውያን ከከም ግዲኦም መቐሎም።+ 11  ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጫ ወጸሎም፣ እቲ ብዕጫ ዝወጸሎም ዓዲ ኸኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን+ ኣብ መንጎ ደቂ ዮሴፍን+ ነበረ። 12  ዶቦም ብሸነኽ ሰሜን ካብ ዮርዳኖስ ጀመረ፣ እቲ ዶብ ድማ ብሰሜናዊ ዓቐበት ያሪኮ+ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኸረን ናብ ምዕራብ ደየበ፣ ናብ በረኻ ቤት-ኣዌን+ ከኣ ወጸ። 13  ካብኡ ድማ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብ ደቡባዊ ዓቐበት ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮን+ ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር+ ወረደ። 14  እቲ ዶብ ድማ ብምዕራባዊ ሸነኽ ተሓንጺጹ፡ ካብቲ ብደቡብ ኣብ መንጽር ቤት-ሖሮን ዘሎ ኸረን ናብ ደቡብ ዞረ፣ ኣብታ ኸተማ ይሁዳ ዝዀነት ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያት-የዓሪም፡+ ኣብቅዐ። ምዕራባዊ ሸነኹ እዚ እዩ። 15  እቲ ሸነኽ ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያት-የዓሪም እዩ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ምዕራብ ኣቢሉ ወጸ፣ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ+ ድማ ወጸ። 16  እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ስንጭሮ ወዲ ሂኖም፡+ ብሰሜን ስንጭሮ* ረፋይም+ ዘሎ ኸረን ወረደ፣ ናብ ስንጭሮ ሂኖም፡ ናብቲ ብደቡብ ዘሎ ዓቐበት ይቡሳውያን፡+ ናብ ዔን-ሮጌል+ ድማ ወረደ። 17  ናብ ሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔን-ሸመሽ ተሓንጸጸ እሞ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም+ ዘሎ ገሊሎት ወጸ፣ ናብ እምኒ+ ቦሃን+ ወዲ ሮቤል ከኣ ወረደ። 18  ናብቲ ኣብ መንጽር ዓራባ ዘሎ ሰሜናዊ ዓቐበት ሓሊፉ ድማ፡ ናብ ዓራባ ወረደ። 19  እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናዊ ዓቐበት ቤት-ሖግላ+ ሓለፈ፣ እቲ ዶብ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ልሳን ባሕሪ ጨው፡*+ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ዮርዳኖስ ኣብቅዐ። እቲ ደቡባዊ ዶብ እዚ እዩ። 20  ብምብራቓዊ ሸነኹ ኸኣ ዶቡ ዮርዳኖስ ነበረ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም፡ ብዙርያ ዘሎ ዶቡ እዚ እዩ። 21  ከተማታት ብንያም በብዓሌቶም እዚኣተን ነበራ፦ ያሪኮ፡ ቤት-ሖግላ፡ ኤሜቅ-ቀጺጽ፡ 22  ቤት-ዓራባ፡+ ጸማራዪም፡ ቤት-ኤል፡+ 23  ዓዊም፡ ጳራ፡ ዖፍራ፡ 24  ኬፋር-ዓሞናይ፡ ዖፍኒ፡ ጌባዕ+—12 ኸተማን ሰፈራተንን። 25  ጊብዖን፡+ ራማ፡ ብኤሮት፡ 26  ሚጽጰ፡ ከፊራ፡ ሞጻን፡ 27  ሬቀም፡ ዪርጰኤል፡ ታርኣላ፡ 28  ጼላዕ፡+ ሃ-ኤሌፍ፡ ይቡሲ፡ ንሳ ድማ የሩሳሌም፡+ ጊብዓ+—14 ኸተማን ሰፈራተንን። ርስቲ ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።