ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 17:1-18

ትሕዝቶ

  • ብምዕራብ ዚርከብ ርስቲ ምናሴ (1-13)

  • ንደቂ ዮሴፍ እተዋህበ ተወሳኺ ምድሪ (14-18)

17  ንነገድ ምናሴ+ ኸኣ ዕጫ በጽሖ፣+ ንሱስ በዅሪ ዮሴፍ እዩ።+ ማኪር+ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ ተዋጋኢ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንዕኡ ዀና።+  ንዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም፡ ማለት ንደቂ ኣቢ-ዔዘርን+ ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን ዕጫ በጽሖም። ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ እቶም ተባዕትዮ ኸከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።+  ጸሎፍሓድ+ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ግና፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፣ ስማት ኣዋልዱ ኸኣ እዚ እዩ፦ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ።  ንሳተን ድማ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን+ ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምንትን ቀሪበን፡ “የሆዋ ንሙሴ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ።+ ከምቲ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።+  ንምናሴ ድማ ብዘይካ እቲ ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ዝነበረ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ብጽሒት እውን በጽሖ፣+  ከመይሲ፡ ኣዋልድ ምናሴ ምስ ኣወዳቱ ርስቲ ተረስተያ፣ ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት።  ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም+ ዘላ ሚክመታት+ ነበረ፣ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ደቡብ* ኣቢሉ ናብ ነበርቲ ዔን-ታጱኣ ኸደ።  ምድሪ ታጱኣ+ ንምናሴ ዀነት፣ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና፡ ንደቂ ኤፍሬም ኰነት።  እቲ ዶብ ድማ ናብ ርባ ቃና፡ ናብ ደቡብ እቲ ርባ ወረደ። ኣብ መንጎ ኸተማታት ምናሴ ኸኣ፡ ከተማታት ኤፍሬም ነበራ፣+ እቲ ዶብ ምናሴ ድማ፡ ብሰሜን እቲ ርባ ነበረ፡ ኣብ ባሕሪ ኸኣ ኣብቅዐ።+ 10  ናብ ደቡብ ንኤፍሬም፡ ናብ ሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፣ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ ዀነ፣+ ንሳቶም* ድማ ብሰሜን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር በጽሑ። 11  ኣብ ምድሪ ይሳኮርን ኣሴርን ከኣ፡ ቤት-ሸኣንን ዓድታታን፡ ዪብልዓምን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ዶርን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ዔን-ዶርን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ ታዓናክን+ ዓድታታን፡ ነበርቲ መጊዶን ዓድታታን፡ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ዀና። 12  ደቂ ምናሴ ግና ነዘን ከተማታት እዚአን ኪርስተይወን ኣይከኣሉን፣ ከነኣናውያን ድማ ኣብታ ምድሪ ኪቕመጡ ቘረጹ።+ 13  እስራኤላውያን ምስ ሓየሉ ኸኣ፡ ነቶም ከነኣናውያን ብግዲ ኣሸቀልዎም እምበር፡+ ጠሪሶም ኣይሰጐጕዎምን።*+ 14  ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ “የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ባሪኹና* ኣሎ እሞ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽነስና፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጫን+ ሓደ ብጽሒትን ጥራይ ርስቲ ዝሃብካና፧”* ኢሎም ተዛረብዎ።+ 15  እያሱ ኸኣ፡ “ክንድዚ ዚኣክል ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ፡ ኣኽራን ኤፍሬም+ ስለ ዝጸበበካ፡ ናብ ዱር ደዪብካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን+ ረፋይምን+ ንዓኻ ልበድ” ኢሉ መለሰሎም። 16  ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ “እቲ ኣኽራን ኣይኣኽለናን እዩ፣ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ስንጭሮ* ዚነብሩ ከነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤት-ሸኣንን+ ዓድታታን ዘለዉ ዀኑ እቶም ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል+ ዘለዉ፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት* ኣለዋኦም”+ በሉ። 17  እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ “ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊ እውን ኣሎካ። ሓደ ዕጫ ጥራይ ክትረክብ የብልካን፣+ 18  እቲ ኣኽራን እውን ንዓኻ ይኹን።+ ዱር እኳ እንተ ዀነ፡ ልበዶ እሞ፡ ዶብካ ዜብቅዓሉ ኪኸውን እዩ። እቶም ከነኣናውያን ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ማዕጺድ ሓጺን ዘለዎ ሰረገላታት* እውን እንተ ኣለዎም፡ ስጐጎም” በሎም።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ብሸነኽ ምብራቕ።
ቃ.ቃ.፡ “የማን።”
ማለት፡ ህዝቢ ምናሴ ወይ ሃገር ምናሴ።
ወይ፡ “ኣየልቀቕዎምን።”
ቃ.ቃ.፡ “ባሪኹኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝሃብካኒ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰረገላታት ሓጺን።”
ቃ.ቃ.፡ “ሰረገላታት ሓጺን።”