ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እያሱ 16:1-10

ትሕዝቶ

  • ርስቲ ደቂ ዮሴፍ (1-4)

  • ርስቲ ኤፍሬም (5-10)

16  ንደቂ ዮሴፍ+ ዝበጽሖም ዕጫ፡+ ካብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ናብቲ ብምብራቕ ያሪኮ ዘሎ ማያት፡ ካብ ያሪኮ ናብ ኣኽራን ቤት-ኤል ዜደይብ በረኻ እዩ።+  ካብ ቤት-ኤል ናይ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ክሳብ እታ ኣብ ዶብ ኣርካውያን ዘላ ዓጣሮት ሓለፈ፣  ናብ ምዕራብ ናብ ዶብ ያፍለጣውያን ድማ፡ ክሳብ ዶብ ታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ጌዘርን+ ወረደ፡ ኣብ ባሕሪ ኸኣ ኣብቅዐ።  ደቂ ዮሴፍ፡+ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ።+  ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም ከኣ እዚ እዩ፦ ዶብ ርስቶም፡ ብምብራቕ ዓጣሮት-ኣዳር+ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት-ሖሮን+ እዩ፣  እቲ ዶብ ድማ ናብ ባሕሪ ወጸ። ሚክመታት+ ኣብ ሰሜን ነበረት፣ እቲ ዶብ ናብ ምብራቕ ናብ ታኣናት-ሺሎ ዞይሩ ኸኣ፡ ናብ ምብራቕ ናብ ያኖኣ ሓለፈ።  ካብ ያኖኣ ድማ ናብ ዓጣሮትን ናዓራን ወሪዱ፡ ናብ ያሪኮ+ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ወጸ።  እቲ ዶብ ካብ ታጱኣ+ ናብ ምዕራብ ናብ ርባ ቃና ኸይዱ፡ ኣብ ባሕሪ ኣብቅዐ።+ ርስቲ ነገድ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፣  ደቂ ኤፍሬም ኣብ ማእከል ርስቲ ምናሴ እተኸብባ ኸተማታት፡ ኵለን እተን ከተማታትን ሰፈራተንን እውን ነበራኦም።+ 10  ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር+ ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጕዎምን፣ እቶም ከነኣናውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ መንጎ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፡+ ብግዲ ዚሽቅሉ ኸኣ ኰኑ።+

እግረ ጽሑፍ