ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እብራውያን 9:1-28

ትሕዝቶ

  • ኣብ ምድራዊ መቕደስ ዚግበር ቅዱስ ኣገልግሎት (1-10)

  • ክርስቶስ ብደሙ ናብ ሰማይ ኣተወ (11-28)

    • መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን (15)

9  እቲ ቐዳማይ ኪዳንሲ ስርዓታት ቅዱስ ኣገልግሎትን ምድራዊ መቕደስን+ ነይርዎ እዩ።  ከመይሲ፡ ቀዋሚ ቐንዴልን+ ሰደቓን እንጌራታት መባእን*+ ዝነበራ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ተተኺላ ነይራ እያ፣ ቅድስቲ+ ድማ ትብሃል ነይራ።  ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና፡+ ቅድስተ ቕዱሳን+ እትብሃል ክፍሊ እታ ድንኳን ነይራ።  ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን+ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ+ ታቦት ኪዳንን+ ነይሩ፣ ኣብኡ ኸኣ ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን+ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን+ ጽላታት+ ኪዳንን ነይረን፣  ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መኽደን መተዓረቒ* ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነይሮም።+ ብዛዕባ እዚ ግና ሕጂ ብዝርዝር ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኰነን።  እዚ በዚ ኸምዚ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ እታ ድንኳን ብስሩዕ ይኣትዉ እዮም፣+  እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ እዩ፣+ ግናኸ፡ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን+ ምእንቲ እቲ ብዘይፍላጥ እተገብረ ሓጢኣት ህዝብን+ ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ።+  በዚ ኸምዚ፡ እታ ቐዳመይቲ ድንኳን ቈይማ ኸላ፡ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ የነጽር እዩ።+  እዛ ድንኳን እዚኣ ነዚ እዋን እዚ ምሳሌ እያ፣+ ከምቲ ስርዓት እቲ ጌርካ ኸኣ መባእን መስዋእትን ይቐርብ እዩ።+ እዚ ግና ንሕልና እቲ ዜገልግል* ፍጹም ኪገብሮ ኣይክእልን እዩ።+ 10  ምስ ብልዕን መስተን እተፈላለየ ስርዓት ምሕጻብን*+ ጥራይ እዩ ዚተሓሓዝ። ምዱብ ግዜ ምቕናዕ ክሳዕ ዚኣክል እተነብረ ስጋዊ ስርዓት እዩ።+ 11  ግናኸ፡ ክርስቶስ ሊቀ ኻህናት እቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ኰይኑ ምስ መጸ፡ በታ ብኢድ ዘይተገብረት፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነት፡ ዝዓበየትን ዝያዳ ፍጽምትን ድንኳን ሓሊፉ እዩ። 12  ብደም ድቤላታትን ዝራብዓትን ዘይኰነስ፡ ብደም ገዛእ ርእሱ+ ናይ ዘለኣለም ድሕነት* ረኺቡልና ሓንሳእ ንሓዋሩ ናብታ መቕደስ ኣትዩ እዩ።+ 13  ደም ድቤላታትን ኣብዑርን+ ሓምዅሽቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምንጻህ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡+ 14  ደም እቲ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንኣምላኽ ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡+ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምግልጋል*+ ክንደይ ኣዝዩ ንሕልናና ኻብ ምዉት ግብርታት ዘየንጽሆ፧+ 15  በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኻብቲ ኣብቲ ቐዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምብጃው+ ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኪቕበሉ ኢሉ፡+ መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ።+ 16  ኪዳን ኣብ ዘለዎስ፡ ሞት እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ። 17  ኪዳንሲ ብሞት እዩ ዚጸንዕ እምበር፡ እቲ ኺዳን ዜቕውም ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። 18  ስለዚ፡ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኪዓዪ ኣይጀመረን።* 19  ሙሴ ዅሉ ትእዛዛት ሕጊ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ምስ ነገሮስ፡ ደም ዝራብዓትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸምርን ሃዛብን ወሲዱ፡ ነታ መጽሓፍን* ንዅሉ እቲ ህዝብን ከምዚ እናበለ ነጺጉሉ እዩ፦ 20  “ደም እቲ ኣምላኽ ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን እዚ እዩ።”+ 21  ከምኡ ድማ ነታ ድንኳንን ንዅሉ ኣቕሑ እቲ ቕዱስ ኣገልግሎትን* ደም ነጺጉሉ እዩ።+ 22  ከምቲ ሕጊ ኸኣ፡ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዚነጽህ፣+ ደም እንተ ዘይፈሲሱ እውን፡ ሕድገት ኣይከውንን እዩ።+ 23  እምበኣር፡ ምስሊ+ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገራት በዚ ኺነጽህ ግዲ እዩ ነይሩ፣+ እቲ ሰማያዊ ነገራት ግና ካብዚ ዝሓሸ መስዋእቲ የድልዮ እዩ። 24  ከመይሲ፡ ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ* ኣምላኽ ኪርኣየልና+ ናብ ሰማይ እምበር፡+ ናብታ ምስሊ እታ ናይ ሓቂ ዝዀነት+ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ።+ 25  እዚ ኸኣ ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡+ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ሳዕ ምእንቲ ኬቕርብ ኣይኰነን። 26  እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኺጸግብ ምተገብኦ ነይሩ። ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ንሓጢኣት ኬርሕቕ ኢሉ፡ ኣብ መደምደምታ እቲ ስርዓታት* ሓንሳእ ንሓዋሩ ተጋሂዱ እዩ።+ 27  ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሙማት፡ ብድሕሪኡ ግና ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፡ 28  ከምኡ ኸኣ ክርስቶስ፡ ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ተሰዊኡ እዩ፣+ ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ ስለ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡* ነቶም ዚጽበይዎ ንምድሓን ኪግለጽ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “እንጌራታት ምርኣይን።”
ወይ፡ “ነቲ ቦታ መተዓረቒ።”
ወይ፡ “ቕዱስ ኣገልግሎት ዜቕርብ።”
ቃ.ቃ.፡ “እተፈላለየ ጥምቀታትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ብጀዋ።”
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ንምቕራብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይተመረቐን።”
ወይ፡ “ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍን።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ገጽ።”
ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ብዘይ ሓጢኣት።”