ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እብራውያን 6:1-20

ትሕዝቶ

  • ናብ ብስለት ንገስግስ (1-3)

  • እቶም ዚወድቁ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ይሰቕልዎ (4-8)

  • ርግጽ ተስፋ ይሃልኹም (9-12)

  • ተስፋ ኣምላኽ ርግጽ እያ (13-20)

    • ተስፋን ማሕላን ኣምላኽ ኣይልወጥን እዩ (17, 18)

6  ስለዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ ካብ ሰገርና፡+ ናብ ብስለት ንገስግስ።+ ከም ብሓድሽ እውን መሰረት ኣይንሰርት፣ እዚ ድማ፡ ንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ እምነት ብኣምላኽ፡  ትምህርቲ ጥምቀታትን ምንባር ኣእዳውን፡+ ትንሳኤ ምዉታትን+ ናይ ዘለኣለም ፍርድን እዩ።  ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።  እቶም ሓንሳእ ብርሃን ዝበርሃሎም፡+ ነቲ ሰማያዊ ናጻ ውህበት ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡  ነቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እቲ ዚመጽእ ስርዓትን* ከኣ ዝጠዓሙ፡  ግናኸ ዝወደቑ፡+ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎን መላገጺ ስለ ዚገብርዎን፡ ከም ብሓድሽ ናብ ንስሓ ኺምለሱ ኣይክእሉን እዮም።+  እታ ኣብኣ ብዙሕ ግዜ ንዝዘነመ ዝናም ሰትያ ነቶም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ኣትክልቲ እትህብ ምድርስ፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ።  እሾዅን ተዀርባን እንተ ኣብቊላ ግና፡ ዘይትጠቅምን ጥቓ መርገምን እያ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ክትነድድ እያ።  ፍቑራተየ፡ ብዛዕባኹም ግና፡ በዚ ኸምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሓይሽን ናብ ድሕነት ዜብጽሕን ነገር ከም ዘሎ ርግጸኛታት ኢና። 10  ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡+ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን። 11  ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸት ተስፋ ኽትህልወኩም ግና፡+ እዚ ትግሃት እዚ ኸተርእዩ ንደሊ ኣለና፣+ 12  እዚ ድማ ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ፈዛዛት ምእንቲ ኸይትዀኑ እዩ።+ 13  ኣምላኽ ንኣብርሃም ኬተስፍዎ ኸሎስ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘየልቦ፡ ከምዚ ኢሉ ብርእሱ ምሒሉ እዩ፦+ 14  “ብርግጽ ክባርኸካን ብርግጽ ከብዝሓካን እየ።”+ 15  ኣብርሃም ድማ ተዓጊሱ፡ ነዛ ተስፋ እዚኣ ረኺብዋ እዩ። 16  ሰባትሲ በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ፣ ማሕላኦም ከኣ ሕጋዊ ውሕስነት ስለ ዝዀኖም፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድኣሎም እዩ።+ 17  ከምኡ ኸኣ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ* ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ+ ብንጹር ኬርእዮም ምስ ወሰነ፡ ብማሕላ ውሕስነት ሂቡ እዩ።* 18  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ንሕና እቶም እተማዕቈብና ዘበልና፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክእል+ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ጌርና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሓያል መተባብዒ ምእንቲ ኽንረክብ እዩ። 19  እዛ ዘላትና ተስፋ+ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡* ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣+ 20  ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት+ ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዋእልን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ምኽሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኣትዩ እዩ።”
ወይ፡ “ህይወት።”