ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እብራውያን 3:1-19

ትሕዝቶ

  • የሱስ ካብ ሙሴ ይዓቢ (1-6)

    •  ኵሉ ብኣምላኽ ተሰርሐ (4)

  • ብዛዕባ ዘይምእማን እተዋህበ መጠንቀቕታ (7-19)

    • “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም” (7, 15)

3  ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ* ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡+ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።+  ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ እሙን ዝነበረ፡+ ንሱ እውን ነቲ ዝሸሞ እሙን እዩ።+  ከምቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንሱ* እውን ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ዚግብኦ ዀይኑ ተቘጺሩ እዩ።+  ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ።  ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደሓር ዚንገር ከም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ፣  ክርስቶስ ግና ከም ወዲ+ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ። ነቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓትን ነታ ኽሳዕ መወዳእታ እንምክሓላ ተስፋን ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያስ፡ ንሕና ቤት ኣምላኽ ኢና።+  ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡  ከምቲ ብመዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ።+  ኣብኡ ኣቦታትኩም ን40 ዓመት ግብርታተይ ርእዮም ክነሶምሲ፡ ተሃላሊኾምንን ፈቲኖምንን።+ 10  ስለዚ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ፈንፊነዮስ፡ ‘ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ እዮም፣ ንመገድታተይ እውን ኣይፈለጥዎን’ ኢለ። 11  ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ።”+ 12  ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣+ 13  ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ “ሎሚ” ኽሳዕ እተባህለ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ። 14  ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮስ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና።+ 15  እዚ ድማ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ከምቲ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ” ኸም እተባህለ እዩ።+ 16  ሰሚዖም ዘነደርዎኸ መን እዮም፧ ኵሎም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ደይኰኑን፧+ 17  ንመንከ እዩ ኣምላኽ ን40 ዓመት ዝፈንፈኖም፧+ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧+ 18  ንመንከ እዩ ናብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለሎም፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19  ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ንርኢ ኣለና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጻውዒት፣ ዕድመ።”
ማለት፡ የሱስ።