ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

እብራውያን 1:1-14

ትሕዝቶ

  • ኣምላኽ ብወዱ ተዛሪቡና (1-4)

  • እቲ ወዲ ኻብ መላእኽቲ ይበልጽ (5-14)

1  ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነብያት ተዛሪብዎም እዩ።+  ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ በቲ ወራስ ኵሉ ገይሩ ዝሸሞ፡+ ብእኡ እውን ስርዓታት* ዝገበረ+ ወዱ ገይሩ ተዛሪቡና እዩ።+  ንሱ ነጸብራቕ ክብሪ ኣምላኽን+ ልክዕ ምስሊ ባህርዩን እዩ፣+ ንዅሉ እውን ብሓይሊ ቓሉ ጾይሩ ኣሎ። ካብ ሓጢኣትና ምስ ኣንጽሃና ድማ፡+ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐሚጡ እዩ።+  ስለዚ፡ ካብ ናይ መላእኽቲ ኣዝዩ ዚበልጽ ስም ብምውራስ፡+ ክሳዕ ክንድኡ ኻባታቶም በሊጹ እዩ።+  ንኣብነት፡ ኣምላኽ ካብ መላእኽቲ ንመኖም እዩ፡ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወሊደካ፡”+ ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ኣነ ኣቦኡ ክኸውን እየ፡ ንሱ ኸኣ ወደይ ኪኸውን እዩ”+ ዝበሎ፧  ከም ብሓድሽ ነቲ በዅሩ+ ናብ ዓለም ኪልእኾ ኸሎ ድማ፡ “ኵሎም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ”* ይብል።  ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ “መላእኽቱ መናፍስቲ፡ ኣገልገልቱ*+ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይገብር” ይብል።+  ብዛዕባ ወዱ ግና ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ እዩ፣+ ዘንጊ መንግስትኻ እውን ዘንጊ ቕንዕና* እያ።  ጽድቂ ፈቲኻ፡ ጥሕሰት ሕጊ ኸኣ ጸሊእካ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ኣምላኽካ፡ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ፍስሃ ቐቢኡካ።”+ 10  ከምኡ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ኣብ መጀመርታ መሰረታት ምድሪ ኣንቢርካ፣ ሰማያት ድማ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11  ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ክትነብር ኢኻ፣ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ 12  ከም ባርኖስ፡ ከም ክዳን ድማ ክትጥቕልሎም ኢኻ፣ ኪልወጡ እውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፣ ዓመታትካ እውን ከቶ ኣይውዳእን እዩ” ይብል።+ 13  ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ “ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ፧+ 14  ኵላቶምዶ ነቶም ድሕነት ዚወርሱ ኼገልግሉ ዚለኣኹ መናፍስቲ ቕዱስ ኣገልግሎት* ኣይኰኑን፧+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ኢድ ይንስኡሉ።”
ወይ፡ “ንህዝቢ ዜገልግሉ ኣገልገልቱ።”
ወይ፡ “ፍትሒ።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት።”