ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኤፌሶን 3:1-21

ትሕዝቶ

  • ቅዱስ ምስጢር ንኣህዛብ የጠቓልል (1-13)

    • ኣህዛብ መዋርስቲ ክርስቶስ (6)

    • ናይ ዘለኣለም ዕላማ ኣምላኽ (11)

  • ሰብ ኤፌሶን ልቦና ኼጥርዩ እተጸለየሎም ጸሎት (14-21)

3  ስለዚ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ እሱር+ ክርስቶስ የሱስ ዝዀንኩ፡—  ብዛዕባ እቲ ስሌኹም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትሲ+ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣  ማለት ከምቲ ኣቐዲመ ኣሕጺረ ዝጸሓፍክዎ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ብራእይ ኣፍሊጡኒ እዩ።  ስለዚ፡ ነዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፡ ነቲ ብዛዕባ ቕዱስ ምስጢር+ ክርስቶስ ዘሎኒ ግንዛበ ኸተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።  እዚ ምስጢር እዚ ንቕዱሳት ሃዋርያትን ንነብያትን ብመንፈስ እተገልጸሎም ሕጂ ስለ ዝዀነ፡+ ብኻልኦት ወለዶታት ደቂ ሰብ ኣይተፈልጠን፣  ማለት ኣህዛብ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዚህልዎም ሓድነትን በቲ ብስራትን፡ መዋርስትን ኣካል ሓደ ሰብነትን+ መኻፍልቲ እቲ ተስፋን ኪዀኑ ኣለዎም።  ኣነ ኸኣ ከምቲ ብግብሪ ሓይሉ እተዋህበኒ ናጻ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ እዚ ዀይነ እየ።+  ንዓይ ካብ ኵሎም ቅዱሳት ንዝነኣስኩ፡+ እዚ ጸጋ እዚ ተዋሂቡኒ እዩ፣+ እዚ እተዋህበኒ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር፡  እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ምምሕዳር ቅዱስ ምስጢር+ ድማ ንዅሎም ምእንቲ ኸርእዮም እዩ። 10  እዚ ኸኣ ሕጂ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ በታ ጉባኤ ኣቢላ+ ኣብቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መንግስትታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኽትፍለጥ እዩ።+ 11  እዚ እውን ከምቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብዘሎና ሓድነት ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ዕላማ እዩ፣+ 12  ብእኡን በቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን፡ እዚ ንምዝራብ ዜኽእል ትብዓትን ዜተኣማምን ናጻ መእተውን+ ኣሎና። 13  ስለዚ፡ እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ።+ 14  ስለዚ፡ ንኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣለኹ፣ 15  ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ዓሌት፡ ካብኡ እዩ ዚስመ። 16  ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ በቲ ብመንፈሱ ዚውሃብ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡+ ከም ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኺህበኩም፡ 17  ብእምነትኩም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብፍቕሪ ምእንቲ ኺሓድር እጽሊ ኣለኹ።+ ኣብቲ መሰረት ሱር ስደዱን+ ተሰረቱን፣+ 18  በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳት ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ 19  ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምልኣት ክትመልኡ ኢኹም። 20  ነቲ ኸምቲ ኣባና ዚዓዪ ዘሎ ሓይሉ ገይሩ፡+ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል ድማ፡+ 21  ንዕኡ በታ ጉባኤን ብክርስቶስ የሱስን ንዅሉ ውሉድ ወለዶ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ