ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኤርምያስ 19:1-15

ትሕዝቶ

  • ኤርምያስ ሳርማ ኺሰብር ተነግሮ (1-15)

    • ደቆም ንበዓል ሰዊኦም (5)

19  የሆዋ ኸምዚ በለ፦ “ኪድ እሞ ኻብ ሰራሕ ካይላ ሳርማ ዓድግ።+ ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ህዝብን ገለ ኻብቶም ዓበይቲ ኻህናትን ድማ ተማላእ፣  ናብቲ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኣጋልዕ ዘሎ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ውጻእ።+ ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣነ ዝዛረበካ ቓላት ኣውጅ።  ከምዚ እውን በል፦ ‘ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “‘“ኣብዛ ቦታ እዚኣ መዓት አምጽእ ኣለኹ፣ ንዝሰምዖ ዘበለ ኸኣ ኣእዛኑ ጸላዕላዕ ዜብል እዩ።  ስለምንታይሲ፡ ንዓይ ሓዲጎምኒ፡+ ነዛ ቦታ እዚኣ ድማ ከም ዘይትልለ ገይሮምዋ።+ ኣብኣ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈለጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ይስውኡ ኣለዉ፣ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ብደም ንጹሃት መሊኦምዋ ኣለዉ።+  ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ኣብ ልበይ* ከቶ ዘይመጸንሲ፡+ ኣወዳቶም ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሮም ንበዓል ብሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ፡+ በረኽቲ በዓል ሰሪሖም።”’  “‘“ስለዚ፡ እንሆ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ቶፌት ወይ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም ተባሂላ ዘይትጽውዓለን፡ የግዳስ፡ ስንጭሮ ማሕረዲ እትብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ።+  “ኣነ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንውጥናት ይሁዳን የሩሳሌምን ከተዓናቕፍ እየ፣ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ከውድቖም እየ። ሬሳታቶም ድማ ንኣዕዋፍ ሰማያትን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ኪዀኑ ኽህብ እየ።+  ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ መሰክሕን መፋጸይን ክገብራ እየ። ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ብዅሉ መዓታ ሰኪሑ ኺጥምታን ኬፋጽን እዩ።+  ብሰንኪ ኸበባን ብሰንኪ እቲ ብጸላእቶምን በቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ምስ ተኸርደኑ ዚስምዖም ቅባጸትን፡ ስጋ ኣወዳቶምን ስጋ ኣዋልዶምን ከብልዖም እየ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋ ብጻዮም ኪበልዑ እዮም።”’+ 10  “ሽዑ፡ ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እቶም እተማላእካዮም ሰባት ስበራ፣ 11  ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣቕሓ ሰራሕ ካይላ ኸቶ ኸም ዘይዕረ ጌርካ ዚስበር፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከምኡ ገይረ ኽሰብሮም እየ፣ ንምቕባሮም ቦታ ኽሳዕ ዚሰኣን ከኣ፡ ንምዉታት ኣብ ቶፌት ኪቐብሩ እዮም።”’+ 12  “‘ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸም ቶፌት ክገብራስ፡ ነዛ ቦታ እዚኣን ንነበርታን ከምኡ ኽገብር እየ’ ይብል የሆዋ። 13  ‘ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን ድማ፡ እወ፡ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንዅሎም ሰራዊት ሰማያት+ ዝሰውኡለንን ንኻልኦት ኣማልኽቲ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለንን ኣባይቲ፡+ ከምዛ ቦታ እዚኣ፡ ከም ቶፌት ኪረኽሳ እየን።’”+ 14  ኤርምያስ ካብቲ የሆዋ ኺንበ ኢሉ ዝለኣኾ ቶፌት ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ደው ኢሉ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኸምዚ በለ፦ 15  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ብንቕጽና ንቓላተይ ምእዛዝ ኣብዮም* እዮም እሞ፡ እንሆ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብ ኵለን ዓድታታን ኵሉ እቲ እተዛረብኩላ መዓት አምጽእ ኣለኹ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓሳበይ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ቃላተይ ከይእዘዙ ኽሳዶም ኣትሪሮም።”