ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኤርምያስ 17:1-27

ትሕዝቶ

  • ሓጢኣት ይሁዳ ሱር ዝሰደደ እዩ (1-4)

  • ብየሆዋ ዚእመን ዚረኽቦ በረኸት (5-8)

  • ጠላም ልቢ (9-11)

  • የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል (12, 13)

  • ጸሎት ኤርምያስ (14-18)

  • ንሰንበት ምቕዳስ (19-27)

17  “ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ተጻሒፉ ኣሎ። ብብልሒ ኣልማዝ ኣብ ጽላት ልቦምን ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢታቶምን ተቐሪጹ ኣሎ።   ደቆም ከኣ ንመሰውኢታቶምን ንኣዕኑድ ኣምልኾኦምን፡*+ ኣብ ጥቓ ልሙዕ ኦም፡ ኣብ በረኽቲ ዅርባታት ይዝክሩ ኣለዉ፣+   ኣብ መሮር ኣብ ዘሎ ኣኽራን እውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። ጥሪትካን ኵሉ መዛግብትኻን፡ ንዘመተ ኽህብ እየ፣+ እወ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዘሎ ሓጢኣት ንበረኽትኻ ኸምኡ ኽገብር እየ።+   ነቲ ዝሃብኩኻ ርስቲ ብፍቓድካ ኽትሓድጎ ኢኻ።+ ኣብ ዘይትፈልጣ ምድሪ ኸኣ ንጸላእትኻ ኸም እትግዛእ ክገብረካ እየ፣+ ከመይሲ፡ ንቝጥዓይ ከም ሓዊ ወሊዕካዮ ኢኻ።*+ ንሓዋሩ ድማ ኪነድድ እዩ።”   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብሰብ ዚእመን፡*+ ኣብ ሓይሊ ሰብ ከኣ ዚጽጋዕ፡*+ ልቡ ድማ ካብ የሆዋ ዚርሕቕ ሰብ* ርጉም ይኹን።   ንሱ ኸምታ ኣብ ምድረ በዳ በይና ዘላ ኦም ኪኸውን እዩ። ጽቡቕ ኪመጽእ ከሎ ኣይክርእን እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻ፡ ሓደ እኳ ኣብ ዘይነብሮ ምድሪ ጨው ኪነብር እዩ።   ኣብ የሆዋ ዚውከል፡ እምንቶኡ ድማ ኣብ የሆዋ ዚገብር ሰብ* ብሩኽ እዩ።+   ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት፡ ሰራውራ ኸኣ ናብቲ ወሓዚ እትሰድድ ኦም ይኸውን። ዋዒ ምስ መጸ፡ ኣየስተብህለሉን፣ ኣቝጽልቱ ግና ወትሩ ይለምዕ።+ ብዓመት ደርቂ ድማ ኣይጭነቕን፣ ካብ ምፍራይ እውን ኣየቋርጽን።   ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን* ቀባጽን* እዩ።+ መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧ 10  ኣነ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድታቱ፡ ከከም ፍረ ግብርታቱ ምእንቲ ኽህቦስ፡+ ንልቢ እፍትሾ፡+ ንውሽጣዊ ሓሳባት* ከኣ እምርምሮ ኣለኹ። 11  ከምቲ ቆቛሕ ዘይወለደቶ እትእክብ፡ ሃብቲ ብሸፈጥ* ዜጥሪ ድማ ከምኡ እዩ።+ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ይሓድጎ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።” 12  ቦታ መቕደስና፡ ክቡር ዝፋን፡ ካብ መጀመርታ ልዕል ዝበለ እዩ።+ 13  ኦ የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል፡ ኵሎም እቶም ዚሓድጉኻ ኺሓፍሩ እዮም። ኵሎም እቶም ዚኽሕዱኻ፡* ንየሆዋ እቲ ምንጪ ህያው ማይ ስለ ዝሓደጉ፡+ ኣብ ሓመድ ኪጽሓፉ እዮም።+ 14  ኦ የሆዋ፡ ኣሕውየኒ እሞ ኽሓዊ እየ። ኣድሕነኒ እሞ ኽድሕን እየ።+ ንስኻስ ውዳሰይ ኢኻ። 15  እንሆ፡ “ቃል የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧+ እስከ ይምጻእ!” ዚብሉኒ ኣለዉ። 16  ኣነ ግና፡ ጓሳ ዀይነ ንዓኻ ኻብ ምስዓብ ኣይሃደምኩን፣ ንመዓልቲ መዓት እውን ኣይናፈቕኩን። ንዅሉ እቲ ኸናፍረይ እተዛረባኦ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ እዩ ዀይኑ! 17  መሸበሪ ኣይትኹነኒ። ብመዓልቲ መዓት መዕቈብየይ ኢኻ። 18  ሰጐጕተይ ደኣ ይሕፈሩ እምበር፡+ ንዓይሲ ኣይተሕፍረኒ። ንሳቶም ደኣ ይሸበሩ እምበር፡ ንዓይሲ ኣይተሸብረኒ። መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፣+ ጨፍልቆም፡ ጠሪስካ* እውን ኣጥፍኣዮም። 19  የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኬድካ ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዚኣትዉላን ዚወጹላን ኣፍ ደገ ደቂ ህዝብን ኣብ ኵሉ ኣፍ ደገታት የሩሳሌምን ደው በል።+ 20  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣቱም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ነገስታት ይሁዳን ኵላትኩም ህዝቢ ይሁዳን ኵላትኩም ነበርቲ የሩሳሌምን ቃል የሆዋ ስምዑ። 21  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ርእስኹም* ሓልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ጾር ዘበለ ኣይትጹሩ፡ ወይ ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኣይተእትዉ።+ 22  ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ዘበለ ኻብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ፣ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ።+ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ንመዓልቲ ሰንበት ቀድስዋ።+ 23  ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ እዝኖም እውን ኣየድነኑን፣ ብንቕጽና ድማ ምእዛዝ ኰነ ተግሳጽ ምቕባል ኣበዩ።”’*+ 24  “‘“ግናኸ፡ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩምኒ” ይብል የሆዋ፡ “ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር እንተ ዘየእቲኹም፡ ገለ ዕዮ ብዘይምዕያይ ንሰንበት እንተ ቐዲስኩምዋ፡+ 25  ሽዑ፡ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን መሳፍንትን፡+ ንሳቶምን መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን እውን ኣብ ሰረገላን ኣብ ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም፣+ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም። 26  ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ዙርያ የሩሳሌምን ካብ ምድሪ ብንያምን+ ካብ ቈላን+ ካብ ኣኽራንን ካብ ነጌብን* ድማ ሰባት ኪመጹ፡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕሩድን+ መስዋእቲ እኽልን+ ጻዕዳ ዕጣንን መስዋእቲ ምስጋናን እውን ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም።+ 27  “‘“ግናኸ፡ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱን ጾር ከይትጾሩን ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ከይተእትዉን እንተ ዘይተኣዚዝኩምኒ፡ ንኣፍ ደገታታ ብሓዊ ኸንድዶ እየ፣ ንሱ ድማ ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ብርግጽ ኪበልዖ እዩ፡+ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።”’”+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ከመይሲ፡ ከም ሓዊ ኣብ ቍጥዓይ ተወሊዕካ ኢኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዚውከል።”
ቃ.ቃ.፡ “ንስጋ ቕልጽሙ ዚገብር።”
ወይ፡ “ሰብኣይ፣ ብርቱዕ ሰብ።”
ወይ፡ “ሰብኣይ፣ ብርቱዕ ሰብ።”
ወይ፡ “መታለልን።”
ወይ፡ “ዘይሓውን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንውሽጣዊ ስምዒት።” ቃ.ቃ.፡ “ንዀላሊት።”
ወይ፡ “ብዘይፍትሓዊ መገዲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዚኽሕዱኒ፣” ንየሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ክልተ ሳዕ።”
ወይ፡ “ነፍሳትኩም።”
ቃ.ቃ.፡ “ከይእዘዙን ተግሳጽ ከይቅበሉን ክሳዶም ኣትረሩ።”
ወይ፡ “ደቡብን።”