ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኤርምያስ 1:1-19

ትሕዝቶ

  • ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ተሸመ (1-10)

  • ራእይ ኦም ለውዚ (11, 12)

  • ራእይ ቍራዕ (13-16)

  • ኤርምያስ ንመዝነቱ መተባብዒ ተዋህቦ (17-19)

1  ቃላት ኤርምያስ* ወዲ ሒልቅያ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓናቶት+ ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እዚ እዩ።  ብዘመን ዮስያስ+ ወዲ ኣሞን፡+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 13 ዓመት ንግስናኡ፡ ቃል የሆዋ መጾ።  ብዘመን ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ መወዳእታ መበል 11 ዓመት ጼዴቅያስ+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እቲ የሩሳሌም ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናብ ምርኮ ዝኸደትሉ ግዜ እውን መጾ።+   ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦   “ኣብ ከርሲ ኸይደኰንኩኻ ፈሊጠካ፣*+ ከይተወለድካ* ድማ ቀዲሰካ።*+ ንኣህዛብ ከኣ ነብዪ ገይረካ።”   ኣነ ግና፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ኣነ ቘልዓ እየ እሞ፡+ ከመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ”+ በልኩ።   የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “‘ኣነ ቘልዓ እየ’ ኣይትበል። ናብ ኵሎም እቶም ዝልእከካ ኺድ፣ ኵሉ እቲ ዝእዝዘካ እውን ንገሮም።+   ብትርኢቶም ኣይትፍራህ፣+ ‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።”  ሽዑ፡ የሆዋ ኢዱ ዘርጊሑ ኣፈይ ተንከየ።+ የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ ኣለኹ።+ 10  ርአ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ኣብ ልዕሊ መንግስትታትን ክትከውን፡ ክትምሑን ከተፍርስን፡ ከተጥፍእን ከተዕኑን፡ ክትሃንጽን ክትተክልን መዚዘካ ኣለኹ።”+ 11  ድሕርዚ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ጨንፈር ኦም ለውዚ* እርኢ ኣለኹ” በልኩ። 12  የሆዋ ኸኣ፡ “ቃለይ ንምፍጻም፡ ኣጸቢቐ ንቑሕ እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ” በለኒ። 13  “እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ካልኣይ ሳዕ መጸኒ። ኣነ ድማ፡ “ዚፈልሕ* ቍራዕ እርኢ ኣለኹ፣ ኣፉ ኸኣ ካብ ሰሜን ንንየው ኣቢሉ ዝቐነነ እዩ” በልኩ። 14  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “መዓት ካብ ሰሜን ናብ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ ኺፍኖ እዩ።+ 15  ከመይሲ፡ ‘ንዅሎም ዓሌታት መንግስትታት ሰሜን እጽውዖም ኣለኹ’ ይብል የሆዋ፡+ ‘ንሳቶም ከኣ ኪመጹ፣ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገታት የሩሳሌም፡+ ኣብ ዙርያ እቲ መካበብያኣን ኣብ ኵሉ ኸተማታት ይሁዳን ዝፋኑ ኬቕውም እዩ።+ 16  ንዓይ ስለ ዝሓደጉኒ፡+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዝዓጠኑ፡+ ንግብርታት ኣእዳዎም እውን ስለ ዝሰገዱ፡+ ብሰሪ ዅሉ እከዮም፡ ኣንጻሮም ፍርድታተይ ክነግር እየ።’ 17  ግናኸ፡ ሕቘኻ ተዓጠቕ፣ ተንስእ እሞ ዅሉ እቲ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ከየሸብረካስ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበር።+ 18  ሎምስ ኣንጻር ኵላ እታ ምድሪ፡ ኣንጻር ነገስታት ይሁዳን መሳፍንታን፡ ኣንጻር ካህናታን ህዝቢ እታ ምድርን፡+ እተዓርደት ከተማን ዓንዲ ሓጺንን መካበብያ ነሓስን ገይረካ እየ።+ 19  ንሳቶም ብርግጽ ኪዋግኡኻ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፣ ‘ከድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ’+ ይብል የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “የሆዋ ልዕል የብል” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሓርየካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ።”
ወይ፡ “ፈልየካ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንቅሒ።”
ቃ.ቃ.፡ “እተነፍሓሉ፣ እተንበድበደ።” ኣብ ትሕቲኡ ሓዊ እተንበድበደሉ ምዃኑ ይሕብር።