ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣንባቆም 3:1-19

ትሕዝቶ

  • እቲ ነብዪ፡ የሆዋ ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስድ ዝጸለዮ ጸሎት (1-19)

    • ኣምላኽ ንቕቡኣት ህዝቡ ኼድሕኖም እዩ (13)

    • ጭንቂ እናሃለወ ኽነሱ፡ ብየሆዋ ምፍሳህ (17, 18)

3  ጸሎት ነብዪ ኣንባቆም ብቝዝማ፦   ኦ የሆዋ፡ ብዛዕባኻ ሰሚዐ። ኦ የሆዋ፡ ብተግባርካ ኣስተንኪረ። ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ነዚ ህያው ግበሮ! ኣብ ማእከል ዓመታት፡* ኣፍልጦ። ብግዜ ህውከት፡ ምሕረት ምግባር ዘክር።+   ኣምላኽ ካብ ቴማን፡ እቲ ቕዱስ ካብ ከረን ጳራን መጺኡ።+ (ሴላ)* ግርማኡ ንሰማያት ከዲንዎ፣+ ብውዳሰኡ ምድሪ መሊኣ።   ድምቀቱ ኸም ብርሃን ነይሩ።+ ካብቲ ብርታዐኡ እተሓብኣሉ ኢዱ፡ ክልተ ጩራ ወጺኡ።   ቀቅድሚኡ ለበዳ ኸይዱ፣+ ረስኒ ኸኣ እግረ እግሩ ስዒብዎ።   ደው ኢሉስ፡ ንምድሪ ኣናዊጽዋ።+ ጠሚቱ ንኣህዛብ ብራዕዲ ኣዝሊልዎም።+ እቲ ዘለኣለማዊ ኣኽራን ተሰባቢሩ፣ እቲ ናይ ጥንቲ ዅርባታት ከኣ ሰጊዱ።+ መገድታት ጥንቲ ናቱ እዩ።   ኣብ ድንኳናት ኩሽ ሽግር ርእየ። ዓለባታት ድንኳን ምድሪ ሚድያን ራዕራዕ ኢሉ።+   ኦ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ፡ ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣፍላግ ድዩ ዚነድድ ዘሎ፧ ወይስ ነድርኻ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ድዩ፧+ ንስኻስ ኣብ ኣፍራስካ ተወጢሕካ፣+ ሰረገላታትካ ድማ ዕዉት* ነይሩ።+   ቀስትኻ ተቐሊዓን ተዳልያን ኣላ። ኣባትር* ከኣ ብማሕላ ተመዲቡ ኣሎ።* (ሴላ) ንምድሪ ብኣፍላግ ትስንጥቓ። 10  ኣኽራን ምስ ረኣዩኻ፡ ብቓንዛ ተፋሒሶም።+ ዝናም ማያት ሓሊፉ። መዓሙቝ ድምጹ ኣስሚዑ።+ ኣእዳዉ ናብ ላዕሊ ኣልዒሉ። 11  ጸሓይን ወርሕን ኣብ ልዑል ስፍራአን ቈይመን።+ ፍላጻታትካ ኸም ብርሃን ወጺኡ።+ በርቂ ዂናትካ ድሙቕ ነይሩ። 12  ብቝጥዓ ብመንጎ ምድሪ ኼድካ። ንኣህዛብ ብዅራ ረጊጽካዮም።* 13  ንድሕነት ህዝብኻ፡ ንቕቡእካ ንምድሓን ወጺእካ። ንመራሒ* ቤት እከይ ጨፍሊቕካ። ንሳ ኻብ መሰረት ክሳብ ላዕሊ* ተቐሊዓ። (ሴላ) 14  ፋሕ ኬብሉኒ ኸም ህቦብላ ምስ ተሃንደዱ፡ ርእሲ ተዋጋእቱ ብኣጽዋሩ* ወጊእካ። ንውጹዕ ብሕቡእ ምውሓጥ የሐጕሶም ነይሩ። 15  ብኣፍራስካ ንባሕሪ፡ ንቡሕቡሕታ ሰፊሕ ማያት ረጊጽካዮ ሓሊፍካ። 16  ሰሚዐስ ብውሽጠይ ራዕራዕ ኢለ፣* ከናፍረይ በቲ ደሃይ ኣንቀጥቂጡ፣ ቍንቍነ ናብ ኣዕጽምተይ ኣትዩ፣+ ኣእጋረይ ኣብ ትሕተይ ተናዊጹ። ኣነ ግና ንመዓልቲ ጭንቂ ስቕ ኢለ እየ ዝጽበ፣+ ንሳስ ኣብቶም ዜጥቅዑና ህዝቢ ትመጽእ ኣላ። 17  ኦም በለስ እኳ እንተ ዘይዓምበበ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ፍረ እንተ ዘይሃለወ፡ ፍረ ኣውልዕ እኳ እንተ ጠለመ፡ ግራውቲ* እውን ምግቢ እንተ ዘየፍረየ፡ መጓሰ እኳ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፡ ኣብ ቀጽሪ እውን ከብቲ እንተ ዘይሃለዋ፡ 18  ኣነ ግና ብየሆዋ ኽፍሳህ፡ ብኣምላኽ ድሕነተይ ከኣ ክሕጐስ እየ።+ 19  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ሓይለይ እዩ፣+ ንሱ ንኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብ በረኽቲ እውን የርግጸኒ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብግዜና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብግዜና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ፍላጻታት።”
ወይ፡ “ማሕላ ነገዳት ተገሊጹ ኣሎ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣኺድካዮም፡” ማለት፡ ከም እኽሊ ኸም ዚኽየዱ ገይርዎም።
ቃ.ቃ.፡ “ርእሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክሳድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኣባትሩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ከብደይ ራዕራዕ ኢሉ።”
ወይ፡ “ዛላታት።”