ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣንባቆም 2:1-20

ትሕዝቶ

  • ‘እንታይ ከም ዚዛረብ ክቋመት እየ’ (1)

  •  የሆዋ ነቲ ነብዪ ዝሃቦ ምላሽ (2-20)

    • ‘ነቲ ራእይ ተጸበዮ’ (3)

    • ጻድቕ ብተኣማንነት ኪነብር እዩ (4)

    • ከለዳውያን ሓሙሽተ ሳዕ ‘ወይለኦም!’ ተባሂሎም (6-20)

      • ፍልጠት የሆዋ ንምድሪ ኺመልኣ እዩ (14)

2  ኣብ መሐለውየይ ደው ክብል እየ፣+ ኣብ ዕርዲ ክቐውም እየ። ብኣይ ኣቢሉ እንታይ ከም ዚዛረብ፡ ምስ ተገናሕኩ ኸኣ እንታይ ከም ዝምልስ ክርእስ ክቋመት እየ።   ሽዑ፡ የሆዋ መለሰለይ፦ “እቲ ኻብኡ ዓው ኢሉ ዜንብብ ብቐሊሉ ምእንቲ ኼንብቦ፡+ ነቲ ራእይ ጽሓፎ፡ ኣብ ጽላታት ድማ ብንጹር ቅረጾ።+   እቲ ራእይሲ ገና ንምዱብ ግዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታኡ* ይቕልጥፍ ኣሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጐየ እኳ፡* ተጸበዮ!*+   ንምኩሕ ጠምቶ፣* ውሽጡ ቕኑዕ ኣይኰነን። ጻድቕ ግና ብተኣማንነቱ* ይነብር።+   እወ፡ ወይኒ መጋገዪ ስለ ዝዀነ፡ ዕቡይ ናብ ሸቶኡ ኣይኪበጽሕን እዩ። ሸውሃቱ* ኸም መቓብር* የግፍሕ፣ ከም ሞት እዩ፡ ኪጸግብ እውን ኣይክእልን እዩ። ንዅሎም ኣህዛብ ይእክቦም፡ ንዅሎም ህዝብታት ድማ ይኣኻኽቦም።+   ኵሎም እዚኣቶም ኣንጻሩ ምስላን ዚእምት ቃልን ሕንቅሕንቅሊተያትን ደይኰኑን ኪዛረቡ፧+ ከምዚ ኺብሉ እዮም፦ ‘እቲ ዘይናቱ ዚእክብ፡ ዕዳኡ ኸኣ ዜብዝሕ፡ ወይለኡ! ክሳዕ መዓስ እዩ፧   ኣለቃሕትኻ ብሃንደበትዶ ኣይኪትንስኡን እዮም፧ ኪነቕሑን ኪንዝንዙኻን እዮም፣ ዘመተኦም እውን ክትከውን ኢኻ።+   ንብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝዘመትካ፡ ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፡ ንምድርን ንኸተማታትን ኣባታተን ንዚነብሩን ስለ ዝዓመጽካ፡+ ኵሎም ዝተረፉ ህዝብታት ኪዘምቱኻ እዮም።+   እቲ ሰፈሩ ኣብ ላዕሊ ኺገብር፡ ብመዓት ከይትሓዝ ድማ ኬምልጥ ኢሉ ንቤቱ ኽፉእ ረብሓ ዜርብሕ፡ ወይለኡ! 10  ንቤትካ ሕፍረት ሓሲብካላ። ንብዙሓት ህዝብታት ብምድምሳስ፡ ንርእስኻ* በዲልካያ።+ 11  እምንስ ካብ መንደቕ ኬእዊ፡ ሰርወ ኸኣ ካብ ስርሓት ዕንጨይቲ ኺምልሰሉ እዩ። 12  እቲ ብምፍሳስ ደም ከተማ ዚሰርሕ፡ ብዓመጻ ድማ ዓዲ ዚስርት፡ ወይለኡ! 13  እንሆ፡ ህዝብታት ኣደዳ ሓዊ ንዚኸውን ዚጽዕሩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንኸንቱ ዚደኽሙስ ካብ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ደይኰነን፧+ 14  ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦስ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ።+ 15  እቲ ዕርቃኖም ምእንቲ ኺርእስ፡ ኬስክሮም ኢሉ፡ ነድርን ቍጥዓን ሓዊሱ ንብጾቱ ዜስትዮም፡ ወይለኡ! 16  ኣብ ክንዲ ኽብርስ ውርደት ክትጸግብ ኢኻ። ንስኻ እውን ስተ እሞ ዘይግዙር ምዃንካ ተቐላዕ።* እታ ኣብ የማነይቲ ኢድ የሆዋ ዘላ ጽዋእ ናባኻ ኽትዘውር፡+ ሕስረት ከኣ ንኽብርኻ ኼጐልብቦ እዩ፣ 17  ደም ሰብ ስለ ዘፍሰስካ፡ ንምድርን ንኸተማታትን ኣባታተን ንዚነብሩን ስለ ዝዓመጽካስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ እተገብረ ዓመጻ ኼጐልብበካ፡ እቲ ንእንስሳታት ዘርዓደ ጥፍኣት እውን ኪመጸካ እዩ።+ 18  እቲ ገባሪኡ ዚጸርቦ ጽሩብ ምስልስ እንታይ ይጠቅም፧ እቲ ዓባሳት ዝዀኑ ኸንቱ ኣማልኽቲ ዚገብር ገባሪኡ ብእኡ እኳ እንተ ተኣመነ፡* ፍሱስ ምስልን መምህር ሓሶትንሲ እንታይ ይጠቅም፧+ 19  እቲ ንዕንጨይቲ፡ “ንቓሕ!” ንዓባስ እምኒ ድማ፡ “ተበራበር! ምሃረና!” ዚብል ወይለኡ! እንሆ፡ ንሱ ብወርቅን ብብሩርን ይልበጥ፣+ ኣብ ውሽጡ ኸኣ ትንፋስ ዚብሃል ጠሪሱ የብሉን።+ 20  የሆዋ ግና ኣብ ቅድስቲ ቤተ መቕደሱ እዩ።+ ኵላ ምድሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ትበል!’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መፈጸምታኡ።”
ወይ፡ “ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለ።”
ወይ፡ “ብሃንቀውታ ተጸበዮ!”
ወይ፡ “እንሆ! ነፍሱ ተነፊሓ ኣላ።”
ወይ፡ “ብእምነቱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ወይ፡ “ሰንከልከል በል” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ተወከለ።”