ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣስቴር 5:1-14

ትሕዝቶ

  • ኣስቴር ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀረበት (1-8)

  • ቍጥዓን ትዕቢትን ሃማን (9-14)

5  ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡+ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸዲና፡ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት* ንጉስ፡ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ደው በለት፣ ንጉስ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣፍ ደገ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ኢሉ ነበረ።  ንጉስ ንንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ ኣጸድ ደው ኢላ ምስ ረኣያ፡ ሞገሱ ረኸበት፣ ንጉስ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ።+ ኣስቴር ድማ ቀሪባ፡ ርእሲ እቲ ዘንጊ ተንከየት።  ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧ እንታይ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪውሃበኪ እዩ” ኢሉ ሓተታ።  ኣስቴር ከኣ፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎስ፡ ንጉስ ምስ ሃማን+ ኰይኑ ናብቲ ዘዳሎኹሉ ድግስ ሎሚ ይምጻእ” ኢላ መለሰት።  ንጉስ ድማ ንሰቡ፡ “ከምቲ ኣስቴር ዝለመነቶ፡ ንሃማን ቀልጢፉ ኺመጽእ ንገርዎ” በሎም። ንጉስን ሃማንን ከኣ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ድግስ ከዱ።  ኣብቲ ድግስ ወይኒ ድማ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ “እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ! እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪግበር እዩ!” በላ።+  ኣስቴር ከኣ፡ “ልማኖይን ሕቶይን እዚ እዩ፦  ኣብ ንጉስ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ልማኖይ ኪህበንን ከም ሕቶይ ኪገብርን ድማ ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ናብቲ ጽባሕ ዝገብሮ ድግስ ይምጻእ፣ ጽባሕ ከኣ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ” ኢላ መለሰት።  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ እውን ተሓጒሱ ወጸ። ግናኸ፡ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ምስ ረኣዮ፡ ከም ዘይተንስአን ብእኡ ራዕራዕ ከም ዘይበለን ድማ ምስ ኣስተብሃለ፡ ሃማን ኣብ ልዕሊ ማርዶካይ ነድሪ መልኦ።+ 10  ሃማን ግና ገዛእ ርእሱ ተቘጻጺሩ ናብ ቤቱ ኸደ። ንፈተውቱን ንሰበይቱ ዘረሽን+ ከኣ ልኢኹ ጸውዖም። 11  ሃማን ድማ ብዛዕባ ዕቤት ሃብቱን ብዛዕባ ብዝሒ ደቁን+ ንጉስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ መሳፍንትን ገላዉ ንጉስን ልዕል ከም ዘበሎን ተመክሐ።+ 12  ሃማን ከኣ ወሲኹ፡ “ንግስቲ ኣስቴር ንንጉስ ናብቲ ዘዳለወቶ ድግስ ንምስናይ እውን፡ ብዘይካይ ካልእ ኣይዓደመትን።+ ጽባሕ ድማ ምስኣን ምስ ንጉስን ክኸውን ተዓዲመ ኣለኹ።+ 13  ግናኸ፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ፡ እዚ ዅሉ ኣየዕግበንን እዩ ዘሎ” በለ። 14  ሽዑ፡ ሰበይቱ ዘረሽን ኵሎም እቶም ፈተውቱን፡ “50 እመት* ዝቝመቱ ጕንዲ ኣትክል። ንግሆ ኸኣ ንንጉስ፡ ማርዶካይ ኣብኡ ኺስቀል ንገሮ።+ ድሕሪኡ፡ ምስ ንጉስ ናብቲ ድግስ ባህ ኢሉካ ትኸይድ” በልዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ንሃማን ጽቡቕ መሰሎ፣ ስለዚ፡ ጕንዲ ኣትከለ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ኣስታት 22.3 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።