ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣስቴር 4:1-17

ትሕዝቶ

  • ማርዶካይ ሓዘነ (1-5)

  • ማርዶካይ ንኣስቴር፡ ክትልምነሎም ሓተታ (6-17)

4  ማርዶካይ+ ድማ ኵሉ እቲ እተገብረ ነገር ምስ ፈለጠ፡+ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ማቕን ሓምዅሽትን እውን ለበሰ። ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ፡ ዓው ኢሉ መሪር ኣውያት ኣእወየ።  ሓደ እኳ ማቕ ተኸዲኑ ብኣፍ ደገ ንጉስ ኣይኣቱን ነበረ እሞ፡ ክሳብ ኣፍ ደገ ንጉስ ጥራይ ከደ።  ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሓ ዘበለት ኣውራጃ፡+ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን+ ብኽያትን ዋይዋይታን ኰነ። ብዙሓት ኣብ ማቕን ሓምዅሽትን በጥ በሉ።+  ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባታን መጺኦም ምስ ነገርዋ፡ ንግስቲ ኣዝያ ተጨነቐት። ንማርዶካይ ከኣ ኣብ ክንዲ ማቑ ኪኽደኖ፡ ክዳውንቲ ሰደደትሉ፣ ንሱ ግና ኣበዮም።  ሽዑ፡ ኣስቴር ንሃታክ፡ ሓደ ኻብቶም ንጉስ ኬገልግልዋ ዝሸመላ ስሉባቱ፡ ጸውዓቶ፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን ካብ ማርዶካይ ኪፈልጥ ድማ ኣዘዘቶ።  ሃታክ ከኣ ናብ ማርዶካይ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ኣፍ ደገ ንጉስ ዘሎ ኣደባባይ ወጸ።  ማርዶካይ ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝዀኖን ብዛዕባ እቲ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ናብ መዝገብ ንጉስ ኬእትዎ ቓል ዝኣተዎ ልክዕ መጠን ገንዘብን ነገሮ።+  ንኣስቴር ኬርእያን ኪገልጸላን፡ ናብ ንጉስ ኣትያ ኣብ ክንዲ ህዝባ ኸተማልድን ብቐጥታ ኽትልምኖን ከኣ ኪነግራ፡+ ቅዳሕ እቲ ንምጥፋኦም ኣብ ሱሳን* ብጽሑፍ ዝወጸ ትእዛዝ ሃቦ።+  ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡ፡ እቲ ማርዶካይ ዝበሎ ነገራ። 10  ኣስቴር ከኣ ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኺነግሮ ኣዘዘቶ፦+ 11  “ሰብኣይ ኰነ፡ ሰበይቲ ዀነት፡ ከይተጸውዐ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ንጉስ+ ዚኣቱ ኺመውት ሓደ ሕጊ ጥራይ ከም ዘሎ፡ ኵሎም ገላዉ ንጉስን ህዝቢ ኣውራጃታት ንጉስን ይፈልጡ እዮም። ንጉስ ነታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል።+ ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ካብ ዘይጽዋዕ፡ ሕጂ 30 መዓልቲ ዀይኑ ኣሎ።” 12  ማርዶካይ ከኣ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምስ ተነግሮ፡ 13  ንኣስቴር ከምዚ ኢሉ መለሰላ፦ “ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ ንጉስ ስለ ዘለኺ፡ ካብ ኵሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ ኸተምልጢ ኸም እትኽእሊ ጌርኪ ኣይትሕሰቢ። 14  ኣብዚ ግዜ እዚ ስቕ እንተ ኢልክስ፡ ንኣይሁድ ራህዋን ድሕነትን ካብ ካልእ ምንጪ ኺመጽእ እዩ፣+ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኡ ኢኹም። ንኸምዚ ዝበለ እዋን መዓርግ ንግስና ረኺብኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧”+ 15  ሽዑ፡ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢላ መለሰትሉ፦ 16  “ኬድካ፡ ኣብ ሱሳን* ንእተረኽቡ ዅሎም ኣይሁድ ኣክቦም እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩምን ከይሰተኹምን ጽሙለይ።+ ኣነ እውን ምስ ኣግራደይ ክጸውም እየ። ሽዑ፡ ኣንጻር ሕጊ እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፣ እንተ ጠፊአ ኸኣ፡ እጥፋእ።” 17  ማርዶካይ ድማ ከይዱ፡ ከም ኵሉ እቲ ኣስቴር ኪገብሮ ዝኣዘዘቶ ገበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”