ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣስቴር 3:1-15

ትሕዝቶ

  • ንጉስ ንሃማን ልዕል ኣበሎ (1-4)

  • ሃማን ንኣይሁድ ኬጥፍኦም ውዲት ኣለመ (5-15)

3  ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ+ ኽብ ኣበሎ፣ ዝፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ መሳፍንቲ ልዕል ኣበለ።+  ኵሎም እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ገላዉ ንጉስ ከኣ ንሃማን ፍግም ኢሎም ይሰግዱሉ ነበሩ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ብዛዕባኡ ኸምኡ ኣዚዙ ነበረ። ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ምስጋድ ኣበየ።  እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ገላዉ ንጉስ ድማ ንማርዶካይ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ትእዛዝ ንጉስ ዕሽሽ እትብል፧” በልዎ።  መዓልቲ መዓልቲ ይዛረብዎ ነበሩ፣ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን። ሽዑ፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፡+ ግብሪ ማርዶካይ ሸለል ዚብሃል እንተ ዀይኑ ኺርእዩ፡ ንሃማን ነገርዎ።+  ሃማን ከኣ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ምስጋድ ከም ዝኣበየ ምስ ረኣየ፡ ሃማን ብነድሪ መልአ።+  ብዛዕባ ህዝቢ ማርዶካይ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞ፡ ንማርዶካይ ጥራይ ምቕታል* ዚብል ሓሳብ እተናዕቀ ዀይኑ ተራእዮ። ስለዚ፡ ሃማን ነቶም ኣብ ብዘላ ግዝኣት ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድ፡ ንዅሎም ህዝቢ ማርዶካይ፡ ኬጥፍኦም ደለየ።  ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኒሳን፡* ኣብ መበል 12 ዓመት+ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ መዓልትን ወርሕን ንምውሳን ኣብ ቅድሚ ሃማን ጱር+ (ማለት ዕጫ) ኣውደቑ፣ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ኣዳር፡* ከኣ ወደቐት።+  ሃማን ድማ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከምዚ በሎ፦ “ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ግዝኣትካ+ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ዝበሉን እተበተኑን ሓደ ህዝቢ ኣለዉ።+ ሕግታቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት እተፈልየ እዩ፣ ሕግታት ንጉስ ከኣ ኣይእዘዙን እዮም። ምሕዳጎም ድማ ንንጉስ ዚጠቅም ኣይኰነን።  ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ኪጠፍኡ ትእዛዝ ይጸሓፍ። ኣነ ኸኣ ናብ መዝገብ ንጉስ ኪኣቱ፡ 10,000 ታለንት* ብሩር ነቶም ሰበ ስልጣን ክኸፍል እየ።”* 10  ሽዑ፡ ንጉስ ቀለቤት ማሕተሙ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ+ ንሃማን ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡+ ጸላእ ኣይሁድ፡ ሃቦ።+ 11  ንጉስ ድማ ንሃማን፡ “ግቡእ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብር፡ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንዓኻ ተዋሂቡ እዩ” በሎ። 12  ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ፡ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ+ ተጸውዑ። ኵሉ ትእዛዝ ሃማን ድማ ናብ ራእስታት ንጉስን ኣብ ልዕሊ ኣውራጃታት ናብ ዝነበሩ ሹማምንትን ናብ መሳፍንቲ እተፈላለዩ ህዝብታትን፡ ነናብ ኣውራጃ በብስርዓት ኣጸሓሕፋኡ፡ ነናብ ህዝቢ ኸኣ በብቛንቋኡ ጸሓፉ።+ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተጻሕፈ፡ ብቐለቤት ማሕተም ንጉስ ድማ ተሓትመ።+ 13  እተን ደብዳበታት ከኣ፡ ንዅሎም ኣይሁድ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሕጻናትን ንኣንስትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡+ ኬጽንትዎምን ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን፡ ጥሪቶም ድማ ኪዘምቱ+ ዚብል ትእዛዝ ሒዘን፡ ብመልእኽተኛታት ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ተላእካ። 14  ነታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ቅዳሕ እቲ ሰነድ ኣብ ኵሉ ኣውራጃ ኸም ሕጊ ኺወጽእን ንዅሎም ህዝብታት ኪእወጅን ነበሮ። 15  እቶም መልእኽተኛታት ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ወጹ፣+ እቲ ሕጊ ኸኣ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ወጸ። ንጉስን ሃማንን ድማ ኪሰትዩ ኾፍ በሉ፣ ከተማ ሱሳን* ግና ዕግርግር በለት።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንማርዶካይ ጥራይ ኢዱ ኼንብረሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣነ ኸኣ ነቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዚፍጽሙ፡ 10,000 ታለንት ክኸፍል እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”