ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣስቴር 2:1-23

ትሕዝቶ

  • ሓዳስ ንግስቲ ኺረኽቡ ደለዩ (1-14)

  • ኣስቴር ንግስቲ ዀነት (15-20)

  • ማርዶካይ ውዲት ኣቃልዐ (21-23)

2  ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ነድሪ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ+ ምስ ዘሓለ፡ ነቲ ዋሽቲ ዝገበረቶን+ ኣብ ልዕሊኣ እተወሰነን ዘከረ።+  ሽዑ፡ እቶም ናይ ብሕቲ ገላዉ ንጉስ፡ “ንንጉስ መልክዐኛታት ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉ።  ኵለን መልክዐኛታት ደናግል ኣዋልድ ናብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ፡* ናብ ቤት ኣንስቲ* ኺእክቡ ኸኣ፡ ንጉስ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ግዝኣቱ ሰብ መዚ ይሽም።+ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ+ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን ሓላው ኣንስትን ድማ የንብርወን፣ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ከኣ ይገበረለን።*  እታ ንንጉስ ባህ እተብሎ ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ” በሉ።+ እዚ ሓሳብ እዚ ንንጉስ ባህ ኣበሎ፣ ከምኡ ኸኣ ገበረ።  ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ድማ ሓደ ማርዶካይ+ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፣ ንሱ ወዲ ያኢር ወዲ ሺምዒ ወዲ ቂስ፡ ብንያማዊ ነበረ።+  ንሱ ኸኣ ምስቶም ምስቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ የኮንያ*+ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት፡ ካብ የሩሳሌም እተማረኸ ነበረ።  ንሃዳሳ* ጓል ሓው ኣቦኡ+ ድማ፡ ንሳ ኣስቴር፡ ኣቦን ኣደን ኣይነበርዋን እሞ፡ መዕበዪኣ* ነበረ። እታ ጓል ከኣ ጽቡቕ ዝቕርጻን ማራኺ ዝትርኢታን ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ድማ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ገይሩ ወሲድዋ ነበረ።  ቃል ንጉስን ሕጉን ምስ ተኣወጀ፡ ብዙሓት ኣዋልድ ከኣ ናብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ+ ምስ ተኣከባ፡ ኣስቴር እውን ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሄጋይ እቲ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት* ንጉስ ተወስደት።  እታ ጓል ድማ ባህ ኣበለቶ፡ ሞገሱ እውን ረኸበት፣* ስለዚ፡ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክንን*+ ግቡእ ምግብን ቀልጢፉ ኣሰናደወላ፣ ካብ ቤት ንጉስ ከኣ ሸውዓተ ሕሩያት ኣዋልድ መደበላ። ንዓኣን ንኣግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ* ናብ ዝበለጸ ቦታ ቐየረን። 10  ማርዶካይ+ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፡+ ኣስቴር ብዛዕባ ህዝባ+ ወይ ኣዝማዳ ኣይነገረትን። 11  ማርዶካይ ከኣ፡ ኣስቴር ደሓን ከም ዘላን እንታይ ይገብርዋ ኸም ዘለዉን ኪፈልጥ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ መንጽር እቲ ኣጸድ ቤት ኣንስቲ* ይመላለስ ነበረ። 12  ነፍሲ ወከፍ ጓል ነቲ ንኣንስቲ እተሰርዐ ናይ 12 ወርሒ ኽንክን ምስ ወድአት፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ክትኣቱ ተራ ይበጽሓ ነበረ። ከመይሲ፡ ነቲ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን* በዚ ኸምዚ፡ ማለት ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ ኸርበ፡+ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ በለሳን፡+ ከምኡ ድማ ንኽንክን ጽባቐ* ብዚኸውን እተፈላለየ ቕብእታት ትፍጽሞ ነበረት። 13  ሽዑ፡ እታ ጓል ናብ ንጉስ ክትኣቱ ድልውቲ ትኸውን ነበረት፣ ካብ ቤት ኣንስቲ* ናብ ቤት ንጉስ ክትኣቱ ኸላ ኸኣ፡ ዝሓተተቶ ዘበለ ይውሃባ ነበረ። 14  ንሳ ምሸት ትኣቱ፡ ንግሆ ድማ ናብታ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት ሻዕሽጋዝ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን+ ሓላው ኣንስቲ ወሰንን ዘላ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ* ትኸይድ ነበረት። ንጉስ ብእኣ ኣዝዩ ባህ እንተ ዘይኢልዎን ብስማ እንተ ዘይተጸዊዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።+ 15  እታ ማርዶካይ ከም ጓሉ ዝወሰዳ ጓል ኣቢሓይል ሓው ኣቦኡ ዝዀነት ኣስቴር+ ናብ ንጉስ እትኣትወሉ ተራ ምስ በጽሐ፡ ብዘይካ ሄጋይ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብን ሓላው ኣንስትን ዝበላ ነገር ካልእ ኣይሓተተትን። (ኣስቴር ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝረኣይዋ ዘበሉ ዅሎም ሞገስ ትረክብ ነበረት።) 16  ኣስቴር ከኣ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ጤቤት፡* ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት+ ንግስናኡ፡ ናብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተወስደት። 17  ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን ኣንስቲ ብዝያዳ ኣፍቀራ፣ ሓለፋ ዅለን ደናግል ከኣ ሞገሱን ስምረቱን* ረኸበት። ስለዚ፡ ኣብ ርእሳ ዘውዲ* ገበረላ፡ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ+ እውን ኣንገሳ።+ 18  ንጉስ ድማ ንዅሎም መሳፍንቱን ገላዉኡን ዓብዪ ድግስ፡ ናይ ኣስቴር ድግስ፡ ገበረሎም። ንኣውራጃታት ከኣ ምሕረት ኣወጀ፣ ከም ልግሲ ንጉስ ድማ ህያባት ሃበ። 19  ደናግል*+ ካልኣይ ግዜ ኺእከባ ኸለዋ፡ ማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ነበረ። 20  ኣስቴር ከኣ ከምቲ ማርዶካይ ዝኣዘዛ፡ ብዛዕባ ኣዝማዳን ህዝባን ኣይነገረትን ነበረት።+ ኣስቴር ድማ ከምቲ ኣብ ትሕቲኡ ኸላ እትገብሮ ዝነበረት፡ ማርዶካይ ዝበላ ትገብር ነበረት።+ 21  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ማርዶካይ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ተረሽን ዚብሃሉ ሓለውቲ ማዕጾ ዝዀኑ ኽልተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ ተቘጢዖም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪቐትልዎ* ውዲት ኣለሙ። 22  ግናኸ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እዚ ፈለጠ፣ ብኡብኡ ኸኣ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ* ንንጉስ ነገረቶ። 23  እቲ ነገር ከኣ ተመርመረ እሞ ተረጋገጸ፣ ክልቲኦም ድማ ኣብ ጕንዲ ተሰቕሉ። እዚ ዅሉ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመናት ተጻሕፈ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ይደረዛ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ኣብ 2ነገ 24:8 ዮያኪን ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ትርጉሙ፡ “ኦም ኣደስ።”
ወይ፡ “ኣላዪኣ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ብተኣማንነት እውን ፍቕሩ ረኸበት።”
ወይ፡ “ክትድረዝን።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ምድራዝ።”
ወይ፡ “ንምድራዝ ኣንስቲ።”
ወይ፡ “ሓሪም።”
ወይ፡ “ኻልአይቲ ሓሪም።”
ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን።”
ወይ፡ “ናይ ንግስና ስልማት ርእሲ፣ መጠምጠምያ።”
ወይ፡ “ኣዋልድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኢዶም ኬንብሩሉ።”
ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ማርዶካይ።”