ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣሞጽ 9:1-15

ትሕዝቶ

  • ፍርድታት ኣምላኽ ከተምልጠሉ ዘይከኣል እዩ (1-10)

  • ዳስ ዳዊት ክትትንስእ እያ (11-15)

9  የሆዋ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ደው ኢሉ ረኣኽዎ፣+ ከምዚ ድማ በለ፦ “ንርእሲ እቲ ዓንዲ ውቕዓዮ እሞ እቲ ድርኵዂት ኪናወጽ እዩ። ኣብ ርእሲ ቝረጾም፣ ካባታቶም ንዚተረፉ ድማ ብሰይፊ ክቐትሎም እየ። ሓደ እኳ ሃዲሙ ዚመልቝ የልቦን፣ ሓደ እኳ ኼምልጥ ፈቲኑ ዚሰልጦ የልቦን።+   ናብ መቓብር* እንተ ዅዒቶም፡ ካብኡ ኢደይ ክትወስዶም እያ፣ ናብ ሰማያት እንተ ደዪቦም ከኣ፡ ካብኡ ኸውርዶም እየ።   ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እንተ ተሓቢኦም፡ ካብኡ ደልየ ኽወስዶም እየ።+ ካብ ኣዒንተይ ኣብ ባይታ ባሕሪ እንተ ተሓቢኦም፡ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እሞ ንሱ ኺነኽሶም እዩ።   ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸይዶም፡ ሰይፊ ኻብኡ ኽእዝዝ፡ ኪቐትሎም ድማ እዩ፣+ ንጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ንኽፉእ ከኣ ኣዒንተይ ኣባታቶም ክገብር እየ።+   ነታ ምድሪ* ዚትንክያስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፣ ስለዚ፡ ንሳ ኽትመክኽ እያ፣+ ኵሎም ነበርታ ድማ ኪሓዝኑ እዮም፣+ ኵላ ኸኣ ከም ኒል ክትትንስእ፡ ከም ኒል ግብጺ እውን ለጠቕ ክትብል እያ።+   ‘እቲ መደያይቦኡ ኣብ ሰማያት ዚሰርሕ፡ ህንጻኡ* ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚስርት፡ እቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ኼፍስሶ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዕ፡+ ስሙ የሆዋ እዩ።’+   ‘ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ንዓይ ከም ደቂ ኩሻውያን ደይኰንኩምን፧’ ይብል የሆዋ። ‘ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ፡+ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ቅሬጥስ፡+ ንሶርያ ድማ ካብ ቂርዶ+ ኣየውጻእክዎምን፧’   ‘እንሆ፡ ኣዒንቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፣ ንሱ ኸኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍኣ እዩ።+ ግናኸ፡ ንቤት ያእቆብ ጠሪሰ ኣይከጥፍኦን እየ’+ ይብል የሆዋ።   ‘ከመይሲ፡ እንሆ፡ እእዝዝ ኣለኹ፣ ንቤት እስራኤል ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ከምቲ ብምሔ ዚንዝነዝ፡ ክንዝንዞ እየ፣+ ሓንቲ ጸጸር እኳ ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ። 10  ኵሎም እቶም “መዓት ኣይኪቐርበናን ወይ ኣይኪበጽሓናን እዩ” ዚብሉ ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፊ ኺሞቱ እዮም።’ 11  ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነታ ዝወደቐት ዳስ* ዳዊት ከተንስኣ፡+ ፍሩሳታ* ኽጽግን፡ ዑናታታ እውን ከዐሪ እየ፣ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ዳግም ክሃንጻ እየ፣+ 12  በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻብ ኤዶም ዝተረፈን ንዅሎም እቶም ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ኣህዛብን ኪወርሱ እዮም’+ ይብል እቲ እዚ ዚገብር ዘሎ የሆዋ። 13  ‘እንሆ፡ ሓረስታይ ንዓጻዲ፡ ረጋጺ ፍረ ወይኒ ንተሰካሚ ዘርኢ ዜርክበሉ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’+ ይብል የሆዋ፣ ‘ኣኽራን ድማ ጕዕሽ ወይኒ ኼንጠብጥብ፡+ ኵሉ ዅርባታት ከኣ እዚ ኼውሕዝ እዩ።*+ 14  ንምሩኻት ህዝበይ እስራኤል ክመልሶም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ዳግም ሃኒጾም ኪነብርወን እዮም፣+ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ወይኖም ከኣ ኪሰትዩ፡+ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፡ ፍሪኡ ድማ ኪበልዑ እዮም።’+ 15  ‘ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ካብታ ዝሃብክዎም ምድሮም ከኣ፡ ደጊም ከቶ ኣይኪምሓዉን እዮም’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽካ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ንምድሪ።”
ወይ፡ “ጉባኡ።”
ወይ፡ “ድንኳን፣ ጎጆ።”
ወይ፡ “ፍሩሳቶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ዅርባታት ከኣ ኪመክኽ እዩ።”