ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣሞጽ 8:1-14

ትሕዝቶ

  • ራእይ እቲ ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር (1-3)

  • ጨቈንቲ ተዀነኑ (4-14)

    • መንፈሳዊ ጥሜት (11)

8  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር ነበረ።  ንሱ ኸኣ፡ “ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “ፍረ ሓጋይ ዝመልአ ኸፈር” ኢለ መለስኩ። ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጺእዎም ኣሎ። ደጊም ይቕረ ኣይክብለሎምን እየ።+  ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ መዝሙራት ቤተ መቕደስ ናብ ዋይዋይታ ኺልወጥ እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። ‘ኣብ ኵሉ ቦታ እተደርበዩ ብዙሓት ሬሳታት ኪህልዉ እዮም፡+—ኡስ!’   ኣቱም ንድኻ እትረግጹ፡ እዚ ስምዑ፣ ንስኻትኩምሲ ንዓቃል* ካብ ምድሪ እትውድኡ፣+   ከምዚ ድማ ትብሉ፦ ‘ኤፋ* እናኣንኣስና፡ ሲቃል* እናወሰኽና፡ ብዜታልል ሚዛንና እናኣደናገርና፡+ እኽልና ኽንሸይጥሲ፡ በዓል ሰርቂ ወርሒ መዓስ ኪሓልፍ እዩ፧+ እኽሊ ንመሸጣ ኸነቕርብሲ፡ ሰንበት መዓስ ኪሓልፍ እዩ፧+   በዚ ኸምዚ፡ ንስኡናት ብብሩር፡ ንድኻ ብጽምዲ ሳእኒ ኽንዕድግ፡+ ነቲ ጕርዲ ኸኣ ክንሸይጥ ኢና።’   የሆዋ ብትምክሕቲ ያእቆብ ምሒሉ ኣሎ፦+ ‘ኵሉ ግብርታቶም ከቶ ኣይክርስዖን እየ።+   ብሰሪ እዚ፡ እታ ምድሪ* ራዕራዕ ክትብል፡ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነባሪ ድማ ኪሓዝን እዩ።+ ኵላዶ ኸም ኒል ኣይክትትንስእን፡ ከም ኒል ግብጺኸ ተላዒላ ለጠቕዶ ኣይክትብልን እያ፧’+   ‘በታ መዓልቲ እቲኣ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ቀትሪ ኸሎ ንጸሓይ ከዕርባ፡ ብርህቲ መዓልቲ ኸላ እውን ነታ ምድሪ ኸጸልምታ እየ።+ 10  ንበዓላትኩም ናብ ሓዘን፡+ ንዅሉ መዝሙራትኩም ከኣ ናብ ልቕሶ ክቕይሮ እየ። ኣብ ኵሉ ሕቘ ድማ ማቕ ክገብር፡ ኵሉ ርእሲ ኸኣ ከም ዚምለጥ ክገብር እየ፣ ንሓደ በይኑ ውሉድ ከም ዚሕዘነሉ ሓዘን ክገብራ፡ መወዳእታኣ እውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብራ እየ።’ 11  ‘እንሆ፡ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዚሰድደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ንምስማዕ ቃል የሆዋ እምበር፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።+ 12  ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፡ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ* ሰንከልከል ኪብሉ እዮም። ቃል የሆዋ ደልዮም ኪዞሩ፣ ግናኸ፡ ኣይኪረኽብዎን እዮም። 13  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ጽቡቓት ደናግል ውኖአን ኬጥፍኣ እየን፣ ኣጕባዝ እውን ብሰንኪ ጽምኢ ኸምኡ ኪዀኑ እዮም። 14  እቶም ብበደል ሰማርያ ዚምሕሉ፡+ “ኦ ዳን፡ ከምቲ ኣምላኽካ ህያው ዝዀነ!” ዚብሉ፡+ “ከምቲ መገዲ ብኤር-ሸባዕ+ ህያው ዝዀነ!” እውን ዚብሉ፡ ኪወድቁ፡ መሊሶም ድማ ኣይኪትንስኡን እዮም።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንትሑት።”
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ብሰሪ እዚ፡ ምድሪ።”
ወይ፡ “ምብራቕ ጸሓይ።”