ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣሞጽ 7:1-17

ትሕዝቶ

  • መወዳእታ እስራኤል ከም ዝቐረበ ዜርኢ ራእያት (1-9)

    • ኣንበጣ (1-3)፡ ሓዊ (4-6)፡ መለክዒ መንደቕ (7-9)

  • ኣሞጽ ከይንበ ተነግሮ (10-17)

7  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ እቲ ዳሕረዋይ እኽሊ ኺበቍል ምስ ጀመረ፡* ዕስለ ኣንበጣ ገበረ። እዚ ኸኣ ሳዕሪ ንጉስ ምስ ተዓጽደ ዝወጸ ዳሕረዋይ እኽሊ ነበረ።  እቲ ዕስለ ንኣትክልቲ እታ ምድሪ በሊዑ ምስ ወድአ፡ ኣነ፡ “ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ይቕረ በል!+ ያእቆብሲ ድኹም እዩ እሞ፡ ከመይ ገይሩ ኺድሕን* እዩ፧” በልኩ።+  ስለዚ፡ የሆዋ ነዚ ዳግም ሓሰበሉ።*+ የሆዋ ኸኣ፡ “እዝስ ኣይኪኸውንን እዩ” በለ።  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ መቕጻዕቲ ሓዊ ጸውዐ። ንሱ ድማ ነቲ ገፊሕ መዓሙቝ ማያት በልዖ፡ ንኽፋል እታ ምድሪ እውን በልዖ።  ሽዑ፡ ኣነ፡ “ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ በጃኻ ነዚ ግትኣዮ።+ ያእቆብሲ ድኹም እዩ እሞ፡ ከመይ ገይሩ ኺድሕን* እዩ፧” በልኩ።+  ስለዚ፡ የሆዋ ነዚ ዳግም ሓሰበሉ።*+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ፡ “እዚ እውን ኣይኪኸውንን እዩ” በለ።  ንሱ ድማ እዚ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፡ የሆዋ ብመለክዒ መንደቕ* ኣብ እተገብረ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ፣ መለክዒ መንደቕ ከኣ ኣብ ኢዱ ነበረ።  ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” በለኒ። ኣነ ድማ፡ “መለክዒ መንደቕ” በልኩ። የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣነ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል መለክዒ መንደቕ አንብር ኣለኹ። ደጊም ይቕረ ኣይክብለሎምን እየ።+  በረኽቲ ይስሃቅ+ ኪባድም፡ መቓድስ እስራኤል ድማ ኪፈርስ እዩ፣+ ኣነ እውን ሰይፊ ሒዘ ኣንጻር ቤት የሮብዓም ክመጽእ እየ”+ በለ። 10  ኣማስያ እቲ ኻህን ቤት-ኤል+ ከኣ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ንየሮብዓም+ ንጉስ እስራኤል ለኣኸሉ፦ “ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ውዲት ይኣልመልካ ኣሎ።+ እዛ ምድሪ ንዅሉ እቲ ቓላቱ ኽትጻወሮ ኣይትኽእልን እያ።+ 11  ኣሞጽሲ፡ ‘የሮብዓም ብሰይፊ ኺመውት፡ እስራኤል እውን ብርግጽ ካብ ምድሩ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ’ ይብል ኣሎ።”+ 12  ሽዑ፡ ኣማስያ ንኣሞጽ፡ “ኣታ ብዓል ራእይ፡ ኪድ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፣ ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ማእርር፡* ኣብኣ እውን ተነበ።+ 13  ቤት-ኤል ግና መቕደስ ንጉስን+ ቤተ መንግስትን እያ እሞ፡ ደጊምሲ ኣብዚኣ ኣይትነበ” በሎ።+ 14  ሽዑ፡ ኣሞጽ ንኣማስያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነስ ጓሳን+ ተኸናኻኒ ኣእዋም ሳግላን* እየ ነይረ እምበር፡ ነብዪ ወይ ወዲ ነብዪ ኣይነበርኩን። 15  የሆዋ ግና ደድሕሪ መጓሰ ኻብ ምስዓብ ወሲዱኒ፣ የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኪድ፡ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ ኢሉኒ።+ 16  ሕጂ ድማ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ ‘ንስኻስ፡ “ኣንጻር እስራኤል ኣይትነበ፡+ ኣንጻር ቤት ይስሃቅ ድማ ኣይትስበኽ”+ ትብል ኣለኻ። 17  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰበይትኻ ኣብ ከተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፣ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። ምድርኻ ብገመድ መለክዒ ኽትምቀል እያ፣ ንስኻ ድማ ኣብ ርኽስቲ ምድሪ ኽትመውት ኢኻ፣ እስራኤል እውን ብርግጽ ካብ ምድሩ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ።”’”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ኣብ ጥርን ለካቲትን።
ቃ.ቃ.፡ “ኺትንስእ።”
ወይ፡ “ተጣዕሰሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኺትንስእ።”
ወይ፡ “ተጣዕሰሉ።”
ወይ፡ “ብኣድማስ፣ ብቢምቦ።”
ቃ.ቃ.፡ “እንጌራኻ ብላዕ።”
ወይ፡ “ቀርጣፊ (ቀንጣዊ) ሳግላን።”