ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣሞጽ 5:1-27

ትሕዝቶ

  • እስራኤል ከም ዝወደቐት ድንግል ጌርካ ተገልጸ (1-3)

  • ንኣምላኽ ድለይዎ እሞ ብህይወት ንበሩ (4-17)

    • ክፉእ ጽልኡ፡ ጽቡቕ ከኣ ኣፍቅሩ (15)

  • መዓልቲ የሆዋ፡ መዓልቲ ጸልማት (18-27)

    • መስዋእቲ እስራኤል ተቐባልነት ኣይረኸበን (22)

5  “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እቲ ብዛዕባኹም ዘልዕሎ ዘለኹ ልቕሶ ስምዑ፦   ‘እታ ድንግል፡ እስራኤል፡ ወዲቓ፣ ደጊም ክትትንስእ ኣይትኽእልን እያ። ኣብ ምድሪ ተሓዲጋ ኣላ፣ ዜተንስኣ ድማ የልቦን።’  “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እታ ሽሕ ኣሰሊፋ እትወጽእ ከተማ፡ ሚእቲ ኺተርፍዋ እዮም፣ እታ ሚእቲ ሒዛ እትወጽእ ከተማ፡ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ኺተርፍዋ እዮም።’+  “የሆዋስ ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ድለዩኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+   ጊልጋል ብርግጽ ናብ ምርኮ ኽትከይድ፡+ ቤት-ኤል ድማ ከንቱ* ኽትከውን እያ እሞ፡ ንቤት-ኤል ኣይትድለይዋ፣+ ናብ ጊልጋል ከኣ ኣይትኺዱ፡+ ናብ ብኤር-ሸባዕ እውን ኣይትሕለፉ።+   ከም ሓዊ ኣብ ቤት ዮሴፍ ከይነትጕ እሞ ዜጥፍኦ ዘይብሉ ንቤት-ኤል ከይበልዓስ፡ ንየሆዋ ድለይዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+   ንፍትሒ ናብ መሪር ተኽሊ* ትልውጥዎ፣ ንጽድቂ ኸኣ ናብ ምድሪ ትድርብይዎ።+   እቲ ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ኪማን* ንጭፍራ ኸዋኽብቲ ከሲልን* ዝገበረ፡+ እቲ ንብርቱዕ ጽላሎት ናብ ንግሆ ዚቕይሮ፡ እቲ ንመዓልቲ ኸም ለይቲ ዘጸልምቶ፡+ እቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ኼፍስሶ ኢሉ ንማያት ባሕሪ ዚጽውዖ፡+ ስሙ የሆዋ እዩ።   ኣብ ልዕሊ ብርቱዕሲ ጥፍኣት ኬንትጕ፡ ኣብ ዕርድታት ከኣ ጥፍኣት ኬምጽእ እዩ። 10  ነቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ዚገንሑ ይጸልእዎም፡ ነቶም ሓቂ ዚዛረቡ ይፍንፍንዎም እዮም።+ 11  ካብ ድኻ መገስ* ስለ እተኽፍሉ፡ እኽሉ ድማ ስለ እተገብሩ፡+ ኣብቲ ዝሃነጽኩምዎ ኣባይቲ ውቑር ኣእማን ኣይክትቅመጡን፡+ ካብቲ ዝተኸልኩምዎ ሕሩይ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ወይኒ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።+ 12  ኣነስ በደልኩም* ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ እፈልጥ እየ፣ ንጻድቕ ተጨንቕዎ፡ ጉቦ ትወስዱ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ድማ መሰል ድኻታት ትኸልኡ።+ 13  ግዜ መዓት ኪኸውን እዩ እሞ፡+ ስለዚ፡ እቶም ልቦና ዘለዎም ሽዑ ስቕ ኪብሉ እዮም። 14  ብህይወት ክትነብሩስ፡+ ክፉእ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ድለዩ።+ ሽዑ፡ ከምቲ እትብልዎ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።+ 15  ክፉእ ጽልኡ፡ ጽቡቕ ከኣ ኣፍቅሩ፣+ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ፍትሒ ይስፈን።+ ምናልባት የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ዮሴፍ ሞገሱ የርእዮም ይኸውን።’+ 16  “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ልቕሶ ኪኸውን እዩ፣ ኣብ ኵሉ ጐደናታት ድማ፡ “ዋይ፡ ዋይ!” ኪብሉ እዮም። ንሓረስቶት ናብ ሓዘን፡ ንኣልቀስቲ ኸኣ ናብ ዋይዋይታ ኺጽውዕዎም እዮም።’ 17  ‘ኣነ ብማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ’+ ይብል የሆዋ። 18  ‘እቶም ንመዓልቲ የሆዋ ዚናፍቑስ ወይለኦም!+ መዓልቲ የሆዋ ደኣ ንዓኻትኩም እንታይ ክትከውን እያ፧+ ብርሃን ዘይኰነስ፡ ጸልማት ክትከውን እያ።+ 19  ከምቲ ኻብ ኣንበሳ ዚሃድም እሞ ድቢ ዜጓንፎ፡ ናብ ቤት ኣትዩ ብኢዱ ኣብ መንደቕ ምስ ተጸግዐ ድማ ተመን ዚነኽሶ ሰብ ክትከውን እያ። 20  መዓልቲ የሆዋስ ብርሃን ዘይብላ ጸልማት ደይኰነትን ክትከውን፧ ድምቀት ዘይብላ ድነ ደይኰነትን ክትከውን፧ 21  ንበዓላትኩም እጸልኦን እንዕቆን እየ፣+ ብጨና ፍሉይ ኣኼባታትኩም እውን ባህ ኣይብለንን እዩ። 22  ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መባእን እኳ እንተ ኣቕረብኩምለይ፡ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ፣+ ነቲ ናይ ስቡሓት እንስሳታት መስዋእቲ ሕብረትኩም እውን ብሞገስ ኣይጥምቶን እየ።+ 23  ጫውጫውታ መዝሙራትካ ኣርሕቐለይ፣ ደሃይ በገናታትካ ኸኣ ኣይተስምዓኒ።+ 24  ፍትሒ ኸም ማያት፡+ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ወሓዚ ይውሓዝ። 25  ኣቱም ቤት እስራኤል፡ 40 ዓመት ኣብ በረኻስ፡ መስዋእትን መባእን ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧+ 26  ሕጂ ነቲ ንጉስኩም ሳኩትን ንኬዋንን፡* ንምስልታትኩም፡ ነቲ ንዓኻትኩም ዝገበርኩምዎ ኰዀብ ኣምላኽኩም ተሰኪምኩም ክትከዱ ኢኹም፣ 27  ኣነ ድማ ናብ ምርኮ ኽንየው ደማስቆ ኽሰድደኩም እየ’+ ይብል እቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቦታ ስሒር” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ምረት።”
ኣብ ጭፍራ ኸዋኽብቲ ቶረስ (ብዕራይ) ዚርከባ ኸዋኽብቲ ፕሊያድስ (ኰዀብ ሸውዓተ) ኪኸውን ይኽእል።
ጭፍራ ኸዋኽብቲ ኦርዮን ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ናይ መሬት ግብሪ፣ ቆሎ መሬት።”
ወይ፡ “ገበናትኩም።”
እዞም ኣማልኽቲ እዚኦም፡ ነታ እትምለኽ ዝነበረት ፕላነት ሳተርን ዜመልክቱ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።