ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣሞጽ 3:1-15

ትሕዝቶ

  • ፍርዲ ኣምላኽ ምእዋጅ (1-8)

    • ኣምላኽ ምስጢሩ ይገልጽ (7)

  • ኣንጻር ሰማርያ እተዘርበ መልእኽቲ (9-15)

3  “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ እዚ የሆዋ ብዛዕባኹም፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብክዎ ብዘሎ ዓሌት እተዛረቦ ቓል ስምዑ፦   ‘ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንዓኻትኩም ንበይንኹም እየ ፈሊጠኩም።+ ስለዚ፡ ብሰሪ ዅሉ ስሕተትኩም ተሓተትቲ ኽገብረኩም እየ።+   ክልተስ ኪራኸቡ እንተ ዘይተሰማሚዖምዶ* ብሓደ ይኸዱ እዮም፧   ኣንበሳስ ግዳይ ከይሃለዎዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፧ ሽደን ኣንበሳኸ ገለ እኳ ኸይሓዘዶ ኻብ ሰፈሩ ሕኒን ይብል እዩ፧   ዑፍከ መፈንጠራ* ኣብ ዘይብሉዶ ኣብ ምድሪ ኣብ መጻወድያ ትወድቕ እያ፧ መፈንጠራኸ ገለ እኳ ኸይሓዘዶ ኻብ ምድሪ ንላዕሊ ይፍንጠር እዩ፧   መለኸት ኣብ ከተማ እንተ ተነፊሑስ፡ ህዝቢዶ ራዕራዕ ኣይብልን እዩ፧ ኣብ ከተማ መዓት እንተ ዀይኑስ፡ የሆዋ ደይኰነን ዝገበሮ፧   እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ምስጢሩ ንገላዉኡ ነብያት ከይገለጸ ሓንቲ እኳ ኣይገብርን እዩ።+   ኣንበሳ ጓዚሙ!+ መን እዩ ዘይፈርህ፧ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ተዛሪቡ! መን እዩ ዘይንበ፧’+   ‘ኣብ እተዓርደ ግምብታት ኣሽዶድን ኣብ እተዓርደ ግምብታት ምድሪ ግብጽን ኣውጅዎ። ከምዚ በሉ፦ “ኣንጻር ኣኽራን ሰማርያ ተኣከቡ፣+ ኣብ ማእከላ ዘሎ ህውከትን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ርኣዩ።+ 10  እቶም ኣብ እተዓርደ ግምብታቶም ዓመጻን ጥፍኣትን ዚድልቡስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም’” ይብል የሆዋ። 11  ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ተጻራሪ ነታ ምድሪ ኪኸብባ፡+ ንሱ ንብርታዐኺ ኻባኺ ኪቕንጥጦ፡ ንእተዓርደ ግምብታትኪ እውን ኪዘምቶ እዩ።’+ 12  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ እግሪ ወይ ጭራም እዝኒ ዚምንዝዕ፡ ከምኡ ኸኣ ህዝቢ እስራኤል፡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ግሩም መደቀሲታትን ብሉጽ ዓራውትን* ተቐሚጦም ዘለዉ ኺምንዝዑ እዮም።’+ 13  ‘ስምዑ እሞ ንቤት ያእቆብ ኣጠንቅቕዎም’* ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት። 14  ‘በታ ንእስራኤል ስለቲ ዅሉ በደላቱ* ተሓታቲ ዚገብረላ መዓልትስ፡+ ንመሰውኢታት ቤት-ኤል እውን ተሓታቲ ኽገብሮ እየ፣+ ኣቕርንቲ እቲ መሰውኢ ኸኣ ኪቝረጽን ናብ ምድሪ ኺወድቕን እዩ።+ 15  ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዐን እየ።’ ‘ኣባይቲ ስኒ ሓርማዝ ኪጠፍእ፡+ ዓበይቲ* ኣባይቲ እውን ኪውዳእ እዩ’+ ይብል የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክልተ ብቘጸራ እንተ ዘይተራኺቦምዶ።”
ወይ፡ “መህረሪ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓራውቲ ደማስቆን።”
ወይ፡ “ኣንጻር ቤት ያእቆብ መስክሩ።”
ወይ፡ “ገበናቱ።”
ወይ፡ “ብዙሓት” ኪኸውን ይኽእል።