ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣሞጽ 1:1-15

ትሕዝቶ

  • ኣሞጽ ካብ የሆዋ መልእኽቲ ተቐበለ (1, 2)

  • ስለ ተደጋጋሚ በደል እተፈርደ ፍርድታት (3-15)

    • ሶርያ (3-5)፡ ፍልስጥኤም (6-8)፡ ጢሮስ (9, 10)፡ ኤዶም (11, 12)፡ ዓሞን (13-15)

1  ቃላት ኣሞጽ* እቲ ኻብቶም ሰብ ኣባጊዕ ተቆዓ+ ዝነበረ፡ ብዘመን ዑዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ክልተ ዓመት ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ+ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ራእይ።  ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪጓዝም፡ ካብ የሩሳሌም እውን ድምጹ ኼስምዕ እዩ። መጓሰዪታት ጓሶት ኪሓዝን፡ ርእሲ ቀርሜሎስ ከኣ ኪነቅጽ እዩ።”+   “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ንጊልዓድ ብመኼዳ ሓጺን ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፡+ ስለ ሰለስተ በደል* ደማስቆ፡ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።   ስለዚ፡ ናብ ቤት ሓዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ ንእተዓርደ ግምብታት ቤን-ሃዳድ ከኣ ኪበልዖ እዩ።+   ንተገዳማት ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፣+ ንነበርቲ ቢቃት-ኣዌንን ነቲ ኻብ ቤት-ኤደን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣ ህዝቢ ሶርያ ድማ ተማሪኹ ናብ ቂር ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም+ ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ በደል ጋዛ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።   ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።   ንነበርቲ ኣሽዶድን+ ነቲ ኻብ ኣሽቀሎን ዚገዝእን* ከጥፍኦም እየ፣+ ኢደይ ኣንጻር ዔቅሮን ክመልስ እየ፣+ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኪጠፍኡ እዮም”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።’   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንብዘለዉ ጕጅለ ምሩኻት ወሲዶም ንኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም እዮም፡ ኪዳን ኣሕዋት እውን ኣይዘከሩን እሞ፡+ ስለ ሰለስተ በደል ጢሮስ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 10  ስለዚ፡ ናብ መካበብያ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ ንእተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+ 11  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንኣሕዋቱ ብሰይፊ ሰጒጕዎም፡+ ከይምሕሮም እውን ኣብዩ እዩ፡ ብቝጥዓኡ ብዘይምቍራጽ ቀዳዲድዎም፡ ብቐጻሊ እውን ነዲሩ እዩ እሞ፡+ ስለ ሰለስተ በደል ኤዶም፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ። 12  ስለዚ፡ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፣+ ንእተዓርደ ግምብታት ቦጽራ ኸኣ ኪበልዖ እዩ።’+ 13  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ሃገሮም ኬግፍሑስ ንጥኑሳት ጊልዓድ ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡+ ስለ ሰለስተ በደል ዓሞናውያን፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ፣ 14  ስለዚ፡ ኣብ መካበብያ ራባ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፣+ ብመዓልቲ ውግእ ከኣ ምስ ጭድርታ ውግእ፡ ብመዓልቲ ህቦብላ ንፋስ ድማ ምስ ህቦብላ፡ ንእተዓርደ ግምብታታ ኺበልዖ እዩ። 15  ንጉሶም ከኣ ምስ መሳፍንቱ ናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ”+ ይብል የሆዋ።’

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ጾር ምዃን” ወይ “ጾር ምስካም።”
ወይ፡ “ገበን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘንጊ ዝሓዘን።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘንጊ ዝሓዘን።”