ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 7:1-25

ትሕዝቶ

  • ናብ ንጉስ ኣሓዝ እተላእከ መልእኽቲ (1-9)

    • ሸኣር-ያሹብ (3)

  • ትእምርቲ ኣማኑኤል (10-17)

  • ሳዕቤናት ጥልመት (18-25)

7  ብዘመን ኣሓዝ+ ወዲ ዮታም ወዲ ዑዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ፣ ኪሕዛ ግና ኣይከኣለን።*+  ንቤት ዳዊት ከኣ፡ “ሶርያ ሓይልታቱ ምስ ኤፍሬም ኣሕቢሩ” ዚብል ወረ ተነግሮ። ከምቲ ብንፋስ ዚናወጽ ኣእዋም ዱር ከኣ፡ ልቢ ኣሓዝን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ።  ሽዑ፡ የሆዋ ንኢሳይያስ ከምዚ በሎ፦ “በጃኻ ንስኻ ምስ ወድኻ ሸኣር-ያሹብ፡*+ ንኣሓዝ ክትረኽቦ ውጻእ፣ ኣብ ወሰን መትረብ እቲ ጥቓ ጐደና ግራት ሓጻባይ ዘሎ ላዕለዋይ ሓጽቢ+ ኣሎ።  ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘ተጠንቀቕ፡ ህዳእ። በዞም ክልተ ቝራጽ ዚተክኽ እያድ፡ ብነዳዲ ቝጥዓ ረጺንን ሶርያን ወዲ ረማልያን+ ኣይትፍራህ፡ ልብኻ እውን ኣይጃጁ።  ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ኪጐድኡኻ ውዲት ኣሊሞምሲ፡  “ኣንጻር ይሁዳ ንደይብ እሞ ነዕንዋን* ንስዓራን፣* ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብኣ ነንግሶ” ይብሉ ኣለዉ።+   “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣይኪሰልጥን፡ ኣይኪኸውንን እውን እዩ።   ርእሲ ሶርያስ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ድማ ረጺን እዩ። ኣብ ውሽጢ 65 ዓመት ከኣ፡ ኤፍሬም ጠሪሱ ኺሕምሸሽ፡ ከም ህዝቢ እውን ኣይኪኸውንን እዩ።+   ርእሲ ኤፍሬምሲ ሰማርያ፡+ ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ።+ ብጽኑዕ እንተ ዘይኣሚንኩም፡ ኣይክትጸንዑን ኢኹም።”’” 10  የሆዋ ኸኣ ቀጺሉ ንኣሓዝ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11  “ካብ የሆዋ ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፣+ ከም መቓብር* ዓሚቝ፡ ወይ ከም ሰማይ ልዑል ኪኸውን ይኽእል እዩ።” 12  ኣሓዝ ግና፡ “ኣይልምንን፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣይፍትኖን እየ” በለ። 13  ሽዑ፡ ኢሳይያስ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ቤት ዳዊት፡ በጃኹም ስምዑ። ትዕግስቲ ሰብ ምፍታንኩም ከይኣኽለኩምሲ፡ ትዕግስቲ ኣምላኽ እውንዶ ኽትፍትኑ ኢኹም፧+ 14  ስለዚ፡ የሆዋ ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፦ እንሆ፡ ጓል ክትጠንስ፡ ወዲ እውን ክትወልድ እያ፣+ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል*+ ክትሰምዮ እያ። 15  ክፉእ ምእባይን ጽቡቕ ምሕራይን ኣብ ዚፈልጠሉ ግዜ፡ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ። 16  እቲ ቘልዓ፡ ክፉእ ምእባይን ጽቡቕ ምሕራይን ቅድሚ ምፍላጡስ፡ ምድሪ እቶም ዜርዕዱኻ ኽልተ ነገስታት ጠሪሳ ኽትሕደግ እያ።+ 17  የሆዋ ንንጉስ ኣሶር ኬምጽኦ እዩ እሞ፡+ ካብታ ኤፍሬም ካብ ይሁዳ እተፈልየላ መዓልቲ ኣትሒዙ+ ኸምኡ ዝበለ መጺኡ ዘይፈልጥ ግዜ ኣንጻርካን ኣንጻር ህዝብኻን ኣንጻር ቤት ኣቦኻን ኬምጽእ እዩ። 18  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኣብ ወሰን ወሓይዝ ኒል ግብጺ ንዘለዉ ጽንጽያታትን ኣብ ምድሪ ኣሶር ንዘለዉ ኣናህብን ኬፋጽየሎም እዩ፣ 19  ንሳቶም ድማ ኵላቶም ኪመጹ እሞ፡ ኣብ ኣጻድፍ ስንጭሮታትን* ኣብ ቋቝራታት ኣኻውሕን ኣብ ኵሉ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ኣብ ኵሉ ማይ ዚሰቲ ቦታታትን ኪሰፍሩ እዮም። 20  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ በቲ ኻብ ዞባ እቲ ፈለግ* እተኻረዮ መላጸ፡ ማለት ብንጉስ ኣሶር፡+ ንርእስን ንጸጕሪ እግርን ኪላጺ እዩ፣ ንጭሕሚ እውን ኪሰድዶ እዩ። 21  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሰብ ካብ ከብቲ ሓንቲ ኣርሕን ክልተ በጊዕን ብህይወት ኬጽንሕ እዩ። 22  ካብ ብዝሒ ጸባ እተላዕለ ድማ፡ ጠስሚ ኺበልዕ እዩ፣ ኣብታ ምድሪ ዚተርፍ ኵሉስ ጠስምን መዓርን ኪበልዕ እዩ። 23  “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ 1,000 ብሩር ዝዋጋኡ 1,000 ተኽሊ ወይኒ ኣብ ዝነበሮ ዘበለ ዅሉ፡ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ጥራይ ኪኸውን እዩ። 24  ኵላ እታ ምድሪ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ክትከውን እያ እሞ፡ ሰባት፡ ቀስትን ፍላጻን ሒዞም ናብኣ ኪኸዱ እዮም። 25  ኵሉ እቲ ብጭዃሮ ዚጸሪ ዝነበረ ኣኽራን ከኣ፡ ካብ ፍርሂ ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን እተላዕለ ጥቓኡ ኣይክትከይድን ኢኻ፣ ኣብዑር ዚበልዑሉን ኣባጊዕ ዚረግጽዎን ኪኸውን እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኪሕዝዋ ግና ኣይከኣሉን” ኪኸውን ይኽእል።
ትርጉሙ፡ “ተረፍ ጥራይ ይምለሱ።”
ወይ፡ “ነሸብራን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “መካበብያኣ ነፍርስን።” ቃ.ቃ.፡ “ንሰንጥቃን።”
ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ትርጉሙ፡ “ኣምላኽ ምሳና እዩ።”
ወይ፡ “ርባታትን።”
ማለት፡ ኤፍራጥስ።