ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 64:1-12

ትሕዝቶ

  • ጸሎት ንስሓ ይቕጽል (1-12)

    • የሆዋ፡ “ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ” (8)

64  ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ኼንቀጥቅጡስ፡ሰማያት ጨንዲሕካ እባ እንተ ትወርድ!   ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡ሓዊ ድማ ንማይ ከም ዜፍልሖ፡ሽዑ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምተፈልጠ፡ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ምበሉ!   ዘይተጸበናዮ ዜፍርህ ነገር ምስ ገበርካ፡+ወረድካ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።+   ምእንቲ እቶም ዚጽበይዎ* ዚገብር ኣምላኽሲ+ብዘይካኻ ኻብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፡ ጽን ኣይተባህለን፡ዓይኒ እውን ኣይረኣየትን።   ነቶም ተሓጒሶም ቅኑዕ ዚገብሩ፡+ነቶም ዚዝክሩኻን መገድታትካ ዚስዕቡን ተቐበልካዮም። እንሆ፡ ክንሓጥእ ከለና፡ ተቘጣዕካ፣+ንነዊሕ ግዜ ኸምኡ ገበርና። ሕጅስ ክንድሕንዶ ይግብኣና እዩ፧   ኵላትና ኸም ርኹስ ኴንና ኣለና፣ኵሉ ተግባራት ጽድቅና ኸኣ ከም ክዳን ጻግነ እዩ።+ ኵላትና ኸም ቈጽሊ ኽንጽምሉ ኢና፣ስሕተትና ድማ ከም ንፋስ ኪወስደና እዩ።   ገጽካ ኻባና ሓቢእካ ኣለኻ፡+ብሰሪ* ስሕተትና ኸኣ ተማህምነና* ኣለኻ እሞ፡ስምካ ዚጽውዕ የልቦን፣ንዓኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚለዓዓል እውን የልቦን።   ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ።+ ንሕና ኻይላ ኢና፣ ንስኻ ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ* ኢኻ፣+ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና።   ኦ የሆዋ፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፣+ስሕተትና ንዘለኣለም ኣይትዘክር። ኵላትና ህዝብኻ ኢና እሞ፡ በጃኻ ተመልከተና። 10  እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን ኣለዋ። ጽዮን በረኻ ዀይና ኣላ። የሩሳሌም ባዲማ ኣላ።+ 11  እታ ኣቦታትና ንዓኻ ዝወደሱላናይ ቅድስናን ክብርን* ቤትና*ብሓዊ ነዲዳ ኣላ፣+ኵሉ እቲ ኣኽቢርና እንርእዮ እውን ዓንዩ ኣሎ። 12  ኣብዚ ዅሉስ፡ ኦ የሆዋ፡ ንርእስኻዶ ኽትገትእ ኢኻ፧ ስቕዶ ኽትብል ኢኻ፧ እምብዛ ኽንውጻዕዶኸ ኽትሓድገና ኢኻ፧+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብትዕግስቲ ዚጽበይዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተምክኸና።”
ወይ፡ “ሰራሒና፣ ደኳኒና።”
ወይ፡ “ጽባቐን።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስና።”