ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 63:1-19

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-6)

  • የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (7-14)

  • ጸሎት ንስሓ (15-19)

63  እዚ ኻብ ኤዶም፡+ ካብ ቦጽራ+ ድሙቕ* ዝሕብሩ ኽዳውንቲ ተኸዲኑ ዚመጽእ ዘሎ፡ እዚ ብሉጽ ክዳን ተኸዲኑ፡ ብዓብዪ ሓይሉ ዚስጕም ዘሎ መን እዩ፧ “ኣነ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡ ንምድሓን ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎ እየ።”   ስለምንታይ ደኣ ኣልባሳትካ ቐይሑ፧ ስለምንታይከ ኽዳውንትኻ ኸምቲ ናይቶም ኣብ መጽመቝ ወይኒ ዚረግጹ መሲሉ፧+   “በይነይ ነቲ ጋብላ ወይኒ ረጊጸዮ። ካብ ህዝብታት ምሳይ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ብቝጥዓ ረጊጸዮም፣ ብነድረይ ድማ ጨፍሊቐዮም።+ ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተነጺጉ፣ ንዅሉ ኣልባሳተይ ከኣ ጸይቐዮ።   መዓልቲ ሕነስ ኣብ ልበይ ኣላ፣+ መዓልቲ ብጁዋተይ ድማ መጺኣ ኣላ።   ጠሚተስ፡ ዚሕግዝ ኣይነበረን፣ ዋላ ሓደ ኺድግፍ ብዘይምቕራቡ ደንጽዩኒ። ስለዚ፡ ቅልጽመይ ድሕነት* ኣምጺኡለይ፡+ ነድረይ ከኣ ደጊፉኒ።   ብቝጥዓይ ንህዝብታት ረጊጸዮም፣ ብነድረይ ድማ ኣስኪረዮም፣+ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣፍሲሰዮ።”   ብምኽንያት እቲ የሆዋ ኸም ምሕረቱን ከምቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ዓብዪ ፍቕሩን ዝገበረልና ዅሉ ተግባራት፡ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት፡ የሆዋ ብተኣማንነት ብዜርእዮ ፍቕሩ ዝገበሮ ተግባራት፡+ ዚንኣድ ተግባራት የሆዋ ኽረቍሕ እየ።   ንሱስ፡ “ብርግጽ ህዝበይ፡ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም” በለ።+ ስለዚ፡ መድሓኒኦም ኰነ።+   ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ።+ ናቱ ልኡኽ* ከኣ ኣድሓኖም።+ ብፍቕሩን ብርሕራሐኡን ተበጀዎም።+ ኣብ ኵሉ ናይ ጥንቲ ዘመን ድማ ኣልዒሉ ጾሮም።+ 10  ንሳቶም ግና ዓለዉ፡+ ንመንፈስ ቅዱሱ ኸኣ ኣጕሃይዎ።+ ንሱ ድማ ጸላኢኦም ኰነ፣+ ንዓታቶም እውን ተዋግኦም።+ 11  ንሳቶም ከኣ ዘመን ጥንቲ፡ ዘመን ሙሴ እቲ ጊልያኡ ዘከሩ፦ “እቲ ምስ ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ+ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ፧+ እቲ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ውሽጡ ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ፧+ 12  እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ምስ የማነይቲ ኢድ ሙሴ ኸም እትኸይድ ዝገበረ፡+ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብርሲ፡+ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝመቐለ፡+ 13  ከም ፈረስ ኣብ መሮር* ከይተዓንቀፉ ኪኸዱስ፡ በቲ ቡሕቡሕታ ማያት* ዘኼዶም ኣበይ ኣሎ፧ 14  ከምቲ ማል ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ዚወርዳ፡ መንፈስ የሆዋ ኣዕረፎም።”+ ንርእስኻ ዓብዪ* ስም ክትገብርሲ፡+ ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮ። 15  ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ጠምት፣ ካብቲ ልዑል መንበር ቅድስናኻን ክብርኻን* ርአ። ቅንኣትካን ሓይልኻን፡ ምልዕዓል ርሕራሐኻን*+ ምሕረትካን+ ኣበይ ኣሎ፧ ካባይ ተገቲኡ ኣሎ። 16  ንስኻስ ኣቦና ኢኻ፣+ ኣብርሃም እኳ እንተ ዘይፈለጠና፡ እስራኤል እኳ እንተ ዘየለለየና፡ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ። ስምካ ኸኣ እቲ ናይ ጥንቲ ተበጃዊና እዩ።+ 17  ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ካብ መገድታትካ ኽንኵብልል እትሓድገና፧* ከይንፈርሃካስ ስለምንታይ ልብና ኺተርር እትሓድግ፧*+ ምእንቲ ገላዉኻ፡ ምእንቲ ነገዳት ርስትኻ ተመለስ።+ 18  እቲ ቕዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ግዜ ተረስትይዋ። ተጻረርትና ንመቕደስካ ረጊጾምዋ ኣለዉ።+ 19  ንነዊሕ ግዜ ኸምቶም ከቶ ዘይገዛእካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ኸቶ ዘይተጸውዑ ዄንና ኣለና።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድሙቕ ቀይሕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዓወት።”
ወይ፡ “ኣብ ቅድሚኡ ዚኸውን መልኣኽ።”
ወይ፡ “በረኻ።”
ወይ፡ “መዓሙቝ ማያት።”
ወይ፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ጽባቐኻን።”
ቃ.ቃ.፡ “ምንዋጽ ኣምዑትካን (ከርስኻን)።”
ወይ፡ “ስለምንታይ ካብ መገድታትካ እተዀብልለና፧”
ቃ.ቃ.፡ “ልብና እተትርር።”