ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 62:1-12

ትሕዝቶ

  • ሓድሽ ስም ጽዮን (1-12)

62  ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡+ ድሕነታ ድማ ከም ፋና ኽሳዕ ዚበርህ፡+ ምእንቲ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡+ ምእንቲ የሩሳሌም ድማ ኣይክዓርፍን እየ።   “ኣህዛብ ጽድቅኺ፡+ ኵሎም ነገስታት ከኣ ክብርኺ ኺርእዩ እዮም።+ ኣፍ የሆዋ ብዘውጽኦ ሓድሽ ስም ድማ ክትጽውዒ ኢኺ።+   ኣብ ኢድ የሆዋ ዘውዲ ጽባቐ፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ መጠምጠምያ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።   ደጊም እተሓድገት ኣይክትብሃልን ኢኺ፣+ ምድርኺ ኸኣ ደጊም ዝባደመት ኣይክትብሃልን እያ።+ ግናኸ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ ኽትብሃሊ ኢኺ፣+ ምድርኺ ድማ ምርዕውቲ ኽትብሃል እያ። የሆዋስ ብኣኺ ደስ ኪብሎ እዩ፣ ምድርኺ ድማ ከም ምርዕውቲ ኽትከውን እያ።   ከመይሲ፡ ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ ደቅኺ ኺምርዓዉኺ እዮም። መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ ኣምላኽ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።+   ኦ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ መካበብያኺ ሓለውቲ መዚዘ ኣለኹ። ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን፡ ወትሩ ስቕ ኣይበሉ። ኣቱም ንየሆዋ እትረቝሕዎ፡ ኣይትዕረፉ፣   ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ እወ፡ ውዳሰ ምድሪ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ።”+   የሆዋ ብየማነይቲ ኢዱ፡ ብሓያል ቅልጽሙ ምሒሉ ኣሎ፦ “እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ደጊም ኣይክህብን እየ፣ ጓኖት እውን ነቲ ዝጸዓርክሉ ጕዕሽ ወይንኺ ኣይኪሰትዩን እዮም።+   የግዳስ፡ እቶም ዚእክብዎ ኺበልዕዎ፡ ንየሆዋ ድማ ኪውድስዎ እዮም፣ እቶም ዘእተውዎ ኸኣ ኣብ ቅዱስ ኣጸዳተይ ኪሰትይዎ እዮም።”+ 10  ሕለፉ፡ ብኣፍ ደገታት ሕለፉ። ነቲ ህዝቢ መገዲ ጽረጉሉ።+ ኣጣጥሑ፡ ጐደና ኣጣጥሑ። ኣእማን ጽረጉ።+ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።+ 11  እንሆ፡ የሆዋ ኽሳብ ወሰናት ምድሪ ኣዊጁ ኣሎ፦ “ንጓል ጽዮን፡ ‘እንሆ፡ ድሕነትኪ ይመጽእ ኣሎ።+ እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣ እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ’ በልዋ።”+ 12  ንሳቶም ድማ ቅዱስ ህዝቢ፡ የሆዋ እተበጀዎም ኪብሃሉ እዮም፣+ ንስኺ ኸኣ ተደላዪት፡ ዘይተሓድገት ከተማ ኽትብሃሊ ኢኺ።+

እግረ ጽሑፍ