ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 60:1-22

ትሕዝቶ

  • ክብሪ የሆዋ ኣብ ጽዮን በሪሁ (1-22)

    • ናብ ኣባይተን ከም ዚነፍራ ረገቢት (8)

    • ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ (17)

    • እቲ ሒደትሲ ሽሕ ኪኸውን እዩ (22)

60  “ብርሃንኪ መጺኡ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡+ ብርሂ። ክብሪ የሆዋ ኣባኺ በሪሁ እዩ።+   እንሆ፡ ጸልማትሲ ንምድሪ፡ብርቱዕ ድነ እውን ንኣህዛብ ኬጐልብቦም እዩ፣ኣባኺ ግና የሆዋ ኼብርህ፡ኣባኺ ኸኣ ክብሩ ኺርአ እዩ።   ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡+ነገስታት+ ድማ ናብቲ ዚበርህ ግርማኺ*+ ኪኸዱ እዮም።   ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ! ኵሎም ተኣኪቦም፡ ኵሎም እውን ናባኺ ይመጹ ኣለዉ። ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡+ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ።+   ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኬቕንዕ፡ጥሪት ኣህዛብ ድማ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡+ሽዑ፡ ክትርእዪ፡ ከተንጸባርቒ ኢኺ፣+ልብኺ እውን ትርግርግ ኪብልን ኪጅርብብን እዩ።   ብዙሓት ኣግማል፡ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ዔፋን+ ንምድርኺ ኪኸድናኣ* እየን። ኵሎም እቶም ካብ ሳባ ዝዀኑ፡ ኪመጹ እዮም፣ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ኪስከሙ እዮም። ውዳሰ የሆዋ ኺነግሩ እዮም።+   ኵለን መጓሰ ቄዳር+ ናባኺ ኺእከባ እየን። ደዓውል ነባዮት+ ኬገልግሉኺ እዮም። ተቐባልነት ረኺቦም ናብ መሰውእየይ ኪመጹ እዮም፣+ነታ ኽብርቲ ቤተይ* ድማ ከጸብቓ እየ።+   እዘን ከም ደበናታትን ናብ ኣባይተን* ከም ዚነፍራ ረገቢትንብሓባር ዚነፍራ መን እየን፧   ደሴታትሲ ብኣይ ተስፋ ኺገብራ እየን፣+ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ፡ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ኬምጽኣ+መራኽብ ተርሲስ ይመርሓ* ኣለዋ፣ንሱ ኬኽብረኪ* እዩ እሞ፡ናብ ስም የሆዋ ኣምላኽክን ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኬምጽኣኦም እየን።+ 10  ብቝጥዓይሲ ወቒዐኪ ነይረ፣ብሞገሰይ* ግና ክምሕረኪ እየ እሞ፡+ጓኖት መካበብያኺ ኺሃንጹ፡ነገስታቶም ድማ ኬገልግሉኺ እዮም።+ 11  ኣፍ ደገታትኪ ወትሩ ኽፉት ኪኸውን እዩ፣+ጥሪት ኣህዛብ ናባኺ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ኣይኪዕጾን እዩ፣ነገስታቶም ከኣ መሪሖም ኪመጹ እዮም።+ 12  ከመይሲ፡ ንዓኺ ዘየገልግል ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ኣህዛብ እውን ፈጺሞም ኪጠፍኡ እዮም።+ 13  ንቦታ መቕደሰይ ምእንቲ ኼጸብቖ፡+ክብሪ ሊባኖስን ኦም ጽሕድን* ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን+ብሓባር ኪመጸኪ እዩ፣ኣነ ድማ ነታ ንኣእጋረይ እትኸውን ቦታ ከኽብራ እየ።+ 14  ደቂ ጨቈንትኺ መጺኦም ኣብ ቅድሜኺ ኺሰግዱ፡ኵሎም እቶም ዚንዕቁኺ ኸኣ ኣብ ኣእጋርኪ ኺሰግዱ እዮም። ከተማ የሆዋ፡ ጽዮን እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስኢሎም ኪጽውዑኺ እዮም።+ 15  ሓደ እኳ ዘይሓልፋ እተሓድገትን እተጸልአትን ኣብ ክንዲ እትዀኒ፡+ምንጪ ዘለኣለማዊ ሓበን፡ንውሉድ ወለዶ መሐጐሲት ክገብረኪ እየ።+ 16  ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡+ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ፣+ኣነ የሆዋ፡ መድሓኒኺ ምዃነይ፡እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ተበጃዊኺ ምዃኑ ብርግጽ ክትፈልጢ ኢኺ።+ 17  ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ ኸምጽእ፡ኣብ ክንዲ ሓጺን ከኣ፡ ብሩር፡ኣብ ክንዲ ዕንጨይቲ ድማ፡ ነሓሲ፡ኣብ ክንዲ ኣእማን እውን፡ ሓጺን ከምጽእ እየ፣ንሰላም ሓለውትኺ ገይረ፡ንጽድቂ ኸኣ ኣዕየይትኺ ገይረ ኽሸይም እየ።+ 18  ኣብ ምድርኺ ዓመጻ፡ኣብ ዶባትኪ ድማ ጥፍኣትን ዕንወትን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+ ንመካበብያኺ ድሕነት፡+ ንኣፍ ደገታትኪ ኸኣ ውዳሰ ኢልኪ ኽትጽውዕየን ኢኺ። 19  የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+ኣምላኽኪ ድማ ጽባቐኺ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃን ኣይክትኰነልክን እያ፣ድምቀት ወርሒ ኸኣ ኣይኬብርሃልክን እዩ። 20  የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+መዓልትታት ሓዘንኪ ድማ ኪውድኣ እየን እሞ፡+ጸሓይኪ ደጊም ኣይክትዓርብን፡ወርሕኺ እውን ኣይክትጐድልን እያ። 21  ኵሎም ህዝብኺ ኸኣ ጻድቃን ኪዀኑ፡ነታ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ኪርስተይዋ እዮም። ንሳቶም ናይቲ ዝተኸልክዎ ጠጥዒ፡ግብሪ ኣእዳወይ፡+ ንጽባቐይ እውን ዚዀኑ እዮም።+ 22  እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብርሃን ወጋሕታኺ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዓኺ ኪኸድናኺ።”
ወይ፡ “ነታ ናይ ጽባቐ ቤተይ።”
ወይ፡ “ናብ መሳዅቲ ኣባይቲ ዑፍ።”
ወይ፡ “ከም ቀደመን ይዀና።”
ወይ፡ “ኼጸብቐኪ።”
ወይ፡ “ብጽቡቕ ፍቓደይ።”
ወይ፡ “ተርሚንን።”
ወይ፡ “ፍራሲኖን።”