ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 6:1-13

ትሕዝቶ

  • የሆዋ ኣብ ቤተ መቕደሱ ኸሎ እተራእየ ራእይ (1-4)

    • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ” (3)

  • ከናፍር ኢሳይያስ ነጽሀ (5-7)

  • ኢሳይያስ ተመዘዘ (8-10)

    • “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” (8)

  • “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” (11-13)

6  በታ ንጉስ ዑዝያ ዝሞተላ ዓመት፡+ የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ፡+ ወሰን እቲ ወለል ዚብል ክዳኑ ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ረኣኹ።  ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፣ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮ። ነፍሲ ወከፍ* በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ንኣእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ እውን ይነፍር ነበረ።   ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።+ ብዘላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ኢሉ ኣድሃየ።  ወንድወንዶታት እቲ ልዳውቲ ድማ ብደሃይ እቲ ጭድርታ* ኣንቀጥቀጠ፣ እታ ቤት እውን ብትኪ መልአት።+   ሽዑ፡ ኣነ፡ “ወይለይ! ኣብ መንጎ ርኹስ ዝኸናፍሩ ህዝቢ ዝነብር+ ርኹስ ዝኸናፍሩ ሰብ እየ፣ ኣዒንተይ ከኣ ንንጉስ፡ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየናኦ እየን እሞ ጠፋእኩ!”* በልኩ።  ሓደ ኻብቶም ሱራፌል ድማ ናባይ ነፈረ፣ ኣብ ኢዱ ኸኣ ካብቲ መሰውኢ+ ብመንቀርቀር ዝወሰዶ ጓህሪ+ ሒዙ ነበረ።  ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ “እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንክይዎ እዩ። በደልካ ርሒቑልካ፡ ሓጢኣትካ እውን ብዕርቂ ተኸዲኑልካ እዩ” በለ።  ሽዑ፡ “ንመን ክልእኽ እየ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧”+ ዚብል ድምጺ የሆዋ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” በልኩ።+   ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ በሎ፦ ‘ደጋጊምኩም ክትሰምዑ፡ ግናኸ ኣይክትርድኡን ኢኹም፣ ደጋጊምኩም እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኣይክትፈልጡን ኢኹም።’+ 10  ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ ብኣእዛኖም ድማ ከይሰምዑ፡ ልቦም ከኣ ከይርዳእ፡ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ኣደንዝዝ፡+ ኣእዛኖም ድማ ኣጽምም፡+ ኣዒንቶም እውን ዓምት።” 11  ኣነ ኸኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧” በልኩ። ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ከተማታት ነባሪ ዘይብለን ኰይነን ክሳዕ ዚዓንዋ፡ ኣባይቲ ኸኣ ብዘይ ሰብ ክሳዕ ዚዀና፡ እታ ምድሪ እውን ክሳዕ እትዓኑን እትባድምን፣+ 12  የሆዋ ንሰባት ክሳዕ ዜርሕቖም፡+ እቲ ዝባደመ ኽፋል እታ ምድሪ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚሰፍሕ። 13  “ግናኸ፡ ዕሽር ኣብኣ ኺተርፍ እዩ፣ ከምቲ ምስ ተቘርጸ፡ ጕርማጽ ዚሓድግ ዓብዪ ኦምን ገዚፍ ኦምን ድማ መሊሳ ኽትነድድ እያ፣ ቅዱስ ዘርኢ ኸኣ ጕርማጻ ኪኸውን እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብድምጺ እቲ ዚድሀ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም ዝብል ተገበርኩ።”