ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 58:1-14

ትሕዝቶ

  • ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ጾም (1-12)

  • ሰንበት ብምሕላው ደስታ ምርካብ (13, 14)

58  “ብምሉእ ጐረሮኻ ጨድር፣ ርእስኻ ኣይትግታእ! ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል። ንህዝበይ ዕልወቶም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።+   ያኢ ጽድቂ ኸም ዚገብርን ፍትሒ ኣምላኹ ኸም ዘይሓደገን ህዝብስ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጡ ደስ ከም ዚብሎም ከኣ ይገልጹ። ቅኑዕ ፍርድታት ደልዮም ይሓትቱኒ፣ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ እውን ደስ ይብሎም፦+   ‘ክንጸውም ከለና ስለምንታይ ዘይረኣኻና፧+ ርእስና* ኸነሕስም ከለናኸ ስለምንታይ ዘየስተብሃልካልና፧’+ ስለምንታይሲ፡ ብመዓልቲ ጾምኩም፡ ጥቕሚ* ርእስኹም ኢኹም እትደልዩ፣ ንሸቃሎኹም ከኣ ትጭቍኑ።+   ጾምኩም ብቘየቛን ብባእስን ይውዳእ፣ ብሕሱም ጕስጢ ድማ ትወቕዑ። ከምዚ ሎሚ እትገብርዎ ዘለኹም ጌርኩም እናጾምኩምሲ፡ ድምጽኹም ኣብ ሰማይ ኣይስማዕን እዩ።   እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾም ከምዚ ድዩ፧ ከምታ ሰብ ንርእሱ* ዜሕስመላ መዓልቲ፡ ርእሱ ኸም ሰቲ ምድናንን ኣብ ማቕን ሓምዅሽትን ምድቃስን ድዩ፧ ነዚ ዲኻ ጾምን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዓልትን እትብሎ ዘለኻ፧   እቲ ኣነ ዝሓርዮ ጾምሲ እዚ እዩ፦ መቓውሕ እከይ ምልጋስ፡ ማእሰርቲ ኣርዑት ምፍታሕ፡+ ንጭቍናት ሓራ ምውጻእ፡+ ንዅሉ ኣርዑት ምስባር፡   እንጌራኻ ንጥሙይ ምምቃል፡+ ንድኻታትን ቤት ንዘይብሎምን ናብ ቤትካ ምእታው፡ ዕሩቕ ምስ እትርኢ ምኽዳን፡+ ንስጋኻ እውን ዝባንካ ዘይምምላስ እዩ።   ሽዑ፡ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኺበርህ፡+ ምሕዋይካ እውን ቀልጢፉ ኺበቍል እዩ። ጽድቅኻ ቐቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ የሆዋ ድማ ደጀንካ ኪኸውን እዩ።+   ሽዑ፡ ክትጽውዕ፡ የሆዋ ኸኣ ኪምልስ እዩ፣ ከተእዊ፡ ንሱ ኸኣ፡ ‘እነኹ!’ ኪብል እዩ። ንኣርዑት ካብ መንጎኻ እንተ ኣርሒቕካ፡ ብኣጻብዕካ ዊጥ ምባልን ክፉእ ምዝራብን እንተ ሓዲግካ፡+ 10  ንጥሙይ እቲ ንስኻ* እትምነዮ እንተ ሂብካዮ፡+ ንውጹዕ ድማ እንተ ኣጽጊብካዮ፡* ሽዑ፡ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪበርህ፡ ድነኻ እውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።+ 11  የሆዋ ወትሩ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ኬጽግበካ* እዩ፣+ ንኣዕጽምትኻ ኼበርትዖ፡ ንስኻ ድማ ማይ ከም ዝመልኦ ስፍራ ኣታኽልቲ፡+ ማዩ ኸም ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ክትከውን ኢኻ። 12  ሳላኻ ነቲ ናይ ጥንቲ ዑናታት ዳግም ኪሃንጽዎ እዮም፣+ መሰረታት ዝሓለፈ ወለዶታት ከኣ ክትሕድስ ኢኻ።+ ጸጋኒ ዝፈረሰ መንደቕ፡*+ ዓራዪ መንበሪ ዚኸውን መገድታት ተባሂልካ ኽትጽዋዕ ኢኻ። 13  ብምኽንያት ሰንበት፡ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ጥቕሚ* ርእስኻ ኻብ ምስዓብ እንተ ተቘጢብካ፡*+ ንሰንበት ከኣ ዓብዪ ደስታ፡ ቅድስቲ መዓልቲ የሆዋ፡ ክትክበር ዘለዋ መዓልቲ ኢልካ እንተ ጸዊዕካያ፡+ ጥቕሚ ርእስኻ ኣብ ክንዲ እትስዕብን ከንቱ ቓላት ኣብ ክንዲ እትዛረብን፡ ንዓኣ እንተ ኣኽቢርካያ፡ 14  ሽዑ፡ ብየሆዋ ደስ ኪብለካ እዩ፣ ኣነ እውን ኣብ ልዕሊ በረኽቲ ምድሪ ኸወጥሓካ እየ።+ ኣፍ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ካብ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከብልዓካ እየ።”*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍስና።”
ወይ፡ “ደስታ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ንውጹዓት ነፍሳት እንተ ኣጽጊብካየን።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ ኼጽግብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጋግ።”
ወይ፡ “ደስታ።”
ቃ.ቃ.፡ “እግርኻ እንተ መሊስካ።”
ወይ፡ “ብርስቲ ኣቦኻ ያእቆብ ከሐጕሰካ እየ።”