ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 56:1-12

ትሕዝቶ

  • ጓኖትን ስሉባትን ዚረኽብዎ በረኸት (1-8)

    • ንዅሎም እትኸውን ቤት ጸሎት (7)

  • ዕዉራት ሓለውቲ፡ ዓባሳት ኣኽላባት (9-12)

56  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ድሕነተይ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺመጽእ፡ጽድቀይ እውን ኪግለጽ እዩ እሞ፡+ፍትሒ ሓልዉ፡+ ጽድቂ እውን ግበሩ።   እዚ ዚገብር ሰብ፡ኣጽኒዑ እውን ዚሕዞ ወዲ ሰብ፡ንሰንበት ዚሕልዋን ዘየርክሳን፡+ኢዱ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ክፉእ ዚሕሉ፡ ሕጉስ እዩ።   ምስ የሆዋ ዚሓብር ጓና፡+‘የሆዋ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ’ ኣይበል። ስሉብ ከኣ፡ ‘እንሆ፡ ኣነ ንቑጽ ኦም እየ’ ኣይበል።”  የሆዋስ ነቶም ንሰናብተይ ዚሕልውዎን ንዓይ ደስ ዚብለኒ ዚሓርዩን ንኺዳነይ ኣጽኒዖም ዚሕዙን ስሉባት ከምዚ ይብል፦   “ንዓታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ መናድቐይንካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ሓወልትን ስምን ክህቦም እየ። ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ስምክህቦም እየ።   እቶም ኬገልግልዎ፡ንስም የሆዋ ኼፍቅሩ፡+ገላዉኡ ድማ ኪዀኑ ኢሎም ምስ የሆዋ ዚሓብሩ ጓኖት፡ኵሎም እቶም ንሰንበት ዚሕልውዋን ዘየርክስዋን፡ኪዳነይ ከኣ ኣጽኒዖም ዚሕዙ፡   ንዓታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡+ኣብ ቤት ጸሎተይ ድማ ከሐጕሶም እየ። እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቶምን መስዋእቲ ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ።”+  እቲ ተበቲኖም ንዘለዉ እስራኤል ዚእክብ+ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብዘይካ እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ፡ ካልኦት ናብኡ ኽእክብ እየ።”+   ኣቱም እንስሳታት መሮር ኵላትኩም፡ኣቱም እንስሳታት ዱር ኵላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።+ 10  ሓለውቱ ዕዉራት እዮም፣+ ዋላ ሓዲኦም ኣየስተብሃሉን።+ ኵላቶም ዓባሳት፡ ኪነብሑ ዘይክእሉ ኣኽላባት እዮም።+ ይልህልሁን በጥ ይብሉን ኣለዉ፣ ትኻስ ይፈትዉ እዮም። 11  ብርቱዕ ሸውሃት ዘለዎም* ኣኽላባት እዮም፣ከቶ ኣይጸግቡን እዮም። ኣእምሮ ዘይብሎም ጓሶት እዮም።+ ኵላቶም መመገዶም ከዱ፣ነፍሲ ወከፎም ንርእሱ ዘይግቡእ ረብሓ ይደሊ፡ ከምዚ እውን ይብል፦ 12  “ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፣ኣልኮላዊ መስተ ኽሳዕ ዚኣኽለና ንስተ።+ ጽባሕ ከም ሎሚ ኪኸውን፡ አረ ኣዝዩ ዝሓሸ እውን ኪኸውን እዩ!”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓያል ነፍሲ ዘላቶም።”