ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 55:1-13

ትሕዝቶ

  • ብናጻ ንምብላዕን ንምስታይን ዝቐረበ ዕድመ (1-5)

  • ንየሆዋን ነቲ ዜተኣማምን ቃሉን ድለዩ (6-13)

    • መገድታት ኣምላኽ ካብ መገድታት ሰብ ይልዕል (8, 9)

    • ቃል ኣምላኽ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ (10, 11)

55  ኣቱም ጽሙኣት ኵላትኩም፡+ ናብ ማይ ንዑ!+ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም፡ ንዑ ዓዲግኩም ብልዑ! እወ፡ ንዑ ብዘይ ገንዘብን ብዘይ ክፍሊትን ወይንን ጸባን ዓድጉ።+   እንጌራ ንዘይኰነ ስለምንታይ ገንዘብኩም እትኸፍሉ፧ ንዘየጽግብከ ስለምንታይ ኣታዊኹም* እተውጽኡ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ጽቡቕ ዘበለ ድማ ብልዑ፣+ ናይ ሓቂ መዓዛታት ብዘለዎ ኸኣ ደስ ኪብለኩም እዩ።*+   እዝንኹም ኣድንኑ እሞ ናባይ ንዑ።+ ስምዑ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣* ኣነ ኸኣ ምስቲ እሙን* ዝዀነ ንዳዊት ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ብምስምማዕ፡+ ምሳኻትኩም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣቱ እየ።+   እንሆ፡ ንኣህዛብ ምስክር፡+ ንኣህዛብ መራሕን+ ኣዛዝን+ ገይረዮ እየ።   እንሆ፡ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፣ ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽካ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ፡ —ንሱ ኬኽብረካ እዩ እሞ፡+ ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኺጐዪ እዩ።   ንየሆዋ በቲ ዚርከበሉ ግዜ ድለይዎ።+ ቀረባ ኸሎ እውን ጸውዕዎ።+   እኩይ መገዱ፡ ክፉእ ከኣ ሓሳቡ ይሕደግ፣+ ንሱ ብዙሕ* ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡+ ናብቲ ዚምሕሮ የሆዋ፡ ናብ ኣምላኽና ይመለስ።+   “ሓሳባተይሲ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፣+ መገድታትኩም ድማ መገድታተይ ኣይኰነን” ይብል የሆዋ።   “ከምቲ ሰማያት ካብ ምድሪ ዚልዕልሲ፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ይልዕል።+ 10  ከምቲ ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ዚወርድ፡ ንምድሪ ኸየጽገባ፡ ከም እተፍርን እተብቍልን ድማ ከይገበራ፡ ንዘራኢ ዘርኢ ኸይሃበ፡ ንበላዒ ኸኣ እንጌራ ኸይሃበ ናብኡ ዘይምለስ፡ 11  እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃል እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ ደስ ዝበለኒ* ብርግጽ ኪዓምም፡+ ኣብቲ ዝልእኮ ድማ ብርግጽ ኬስልጥ እዩ እምበር፡ ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ።+ 12  ብሓጐስሲ ኽትወጹ፡+ ብሰላም ከኣ ክትምለሱ ኢኹም።+ ኣኽራንን ኵርባታትን ኣብ ቅድሜኹም ብእልልታ ኺሕጐሱ እዮም፣+ ኣእዋም መሮር እውን ብኣእዳዎም ኬጣቕዑልኩም እዮም።+ 13  ኣብ ክንዲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ ኦም ጽሕዲ* ኺዓቢ፡+ ኣብ ክንዲ ኣምዐ ድማ፡ ኦም ኣደስ ኪዓቢ እዩ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ስምን ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ምልክትን ኬምጽኣሉ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብጻዕሪ እተረኽበ ገንዘብኩም።”
ወይ፡ “ነፍስኹም ደስ ኪብላ እዩ።”
ወይ፡ “ነፍስኹም ብህይወት ክትነብር እያ።”
ወይ፡ “ዜተኣማምን።”
ወይ፡ “ብናጻ።”
ወይ፡ “ፍቓደይ።”
ወይ፡ “ተርሚን።”