ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 50:1-11

ትሕዝቶ

  • ሓጢኣት እስራኤል ጸገማት ይፈጥር (1-3)

  • እዙዝ ጊልያ የሆዋ (4-11)

    • ልሳንን እዝንን እተማህሩ (4)

50  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ጽሑፍ መፍትሒ+ እታ ዝሰደድክዋ ኣዴኹም ኣበይ ኣሎ፧ ወይስ ነየናይ ካብ ኣለቃሕተይ እየ ሸይጠኩም፧ እንሆ፡ ብሰንኪ ስሕተትኩም+ ኢኹም ተሼጥኩም፣ ብሰንኪ ኣበሳኹም እውን እያ ኣዴኹም እተሰድደት።+   ስለምንታይ ደኣ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሐ፧ ስለምንታይከ ምስ ጸዋዕኩ፡ ሓደ እኳ ዘይመለሰ፧+ ኢደይዶ ንምብጃው ሓጻር እያ፧ ንምንጋፍከ ሓይሊዶ የብለይን እየ፧+ እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ አንቅጾ፣+ ንኣፍላግ ድማ ምድረ በዳ እገብሮ።+ ዓሳታቱ ብስእነት ማይ ይምሽምሹ፣ ብሰንኪ ጽምኢ ኸኣ ይሞቱ።   ንሰማያት ብድነ እኸድኖ፡+ መጐልበቢኡ ድማ ማቕ እገብሮ።”   ንድኹም ከመይ ገይረ ብቕኑዕ ቃል* ከም ዝምልስ* ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ልሳን እተማህሩ* ሂቡኒ እዩ።+ ንግሆ ንግሆ የንቅሓኒ፣ ከምቶም እተማህሩ ኽሰምዕሲ ንእዝነይ የንቅሖ።+   እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ እዝነይ ከፊቱለይ፣ ኣነ ኸኣ ዓላዊ ኣይኰንኩን።+ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ድማ ኣየበልኩን።+   ዝባነይ ንወቓዕቲ፡ መዓጕርተይ ከኣ ንነጸይቲ* ሂበ እየ። ገጸይ ካብ ዜዋርድ ነገርን ጡፍ ካብ ምባልን ኣይሓባእኩን።+   እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ግና ኪረድኣኒ እዩ።+ ስለዚ፡ ኣይክዋረድን እየ። ስለዚ፡ ንገጸይ ከም ኣዝሒት ገይረዮ እየ፣+ ከም ዘይሓፍር ድማ እፈልጥ እየ።   እቲ ዜጽድቐኒ ቐረባ እዩ። መን ኪኸስሰኒ* ይኽእል፧+ ብሓደ እስከ ንቑም።* መን እዩ ምሳይ ነገር ዘለዎ፧ ይቕረበኒ።   እንሆ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኺረድኣኒ እዩ። መን እዩ ዚዅንነኒ፧ እንሆ፡ ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም፣ ብልዒ እውን ኪበልዖም እዩ። 10  ካባኻትኩምሲ ንየሆዋ ዚፈርሆ፡ ድምጺ ጊልያኡ ድማ ዚሰምዕ መን እዩ፧+ ብድቕድቕ ጸልማት፡ ብዘይ ገለ ብርሃን እተመላለሰ መን እዩ፧ ብስም የሆዋ ይተኣመን፡* ኣብ ኣምላኹ እውን ይመርኰስ።* 11  “እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እትውልዑ፡ ቍልዒ ሓዊ እተንጥሩ፡ ብብርሃን ሓውኹም፡ ኣብቲ ዘንደድኩምዎ ቝልዒ ሓዊ ተመላለሱ። ካብ ኢደይሲ እዚ ኢኹም ክትረኽቡ፦ ብብርቱዕ ስቓይ በጥ ክትብሉ ኢኹም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብቓል።”
ወይ፡ “ዘበርትዕ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣጸቢቑ ዝሰልጠነ ልሳን።”
ወይ፡ “ንነጸይቲ ጭሕሚ።”
ወይ፡ “ኪብኣሰኒ።”
ወይ፡ “ገጽ ንገጽ ንጋጠም።”
ወይ፡ “ይወከል።”
ወይ፡ “ይጸጋዕ።”