ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 49:1-26

ትሕዝቶ

  • ንጊልያ የሆዋ እተዋህበ ዕዮ (1-12)

    • ብርሃን ኣህዛብ (6)

  • ንእስራኤል እተዋህበ መጸናንዒ (13-26)

49  ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፣ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ኣቕልቡ።+ የሆዋ ኸይተወለድኩ* ጸዊዑኒ።+ ካብ ማሕጸን ኣደይ ኣትሒዙ ስመይ ረቚሑ።   ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገይርዎ፣ ኣብ ጽላል ኢዱ ሓቢኡኒ።+ ስሑል ፍላጻ ገይሩኒ፣ ኣብ ጕልድባኡ እውን ከዊሉኒ።   “ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ ግርማይ ዘርእየሉ ጊልያይ ኢኻ” ኢሉኒ።+   ኣነ ግና፡ “ንባዶ ጽዒረ። ሓይለይ ንብላሽ፡ ንኸንቱ ወዲአ። ፍርደይ ግና ብርግጽ ምስ የሆዋ እዩ።* ዓስበይ ከኣ ምስ ኣምላኸይ እዩ” ኢለ።+   ሕጂ ድማ፡ እቲ ኻብ ማሕጸን ኣትሒዙ ጊልያኡ ገይሩ ዝደኰነኒ የሆዋ፡ እስራኤል ናብኡ ኺእከብሲ፡ ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ኢሉኒ ኣሎ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ክኸብር እየ፣ ኣምላኸይ ከኣ ብርታዐይ ኪኸውን እዩ።   “ንነገዳት ያእቆብ ንምትንሳእ፡ ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ድማ ንምምላስ፡ ጊልያይ ምዃንካ ኣይኣክልን እዩ። ድሕነተይ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡+ ብርሃን ኣህዛብ ገይረ እውን ሂበካ ኣለኹ” ድማ ኢሉኒ።+  የሆዋ እቲ ተበጃዊ እስራኤል፡ እቲ ቕዱሱ፡+ ነቲ ንዑቕ፡*+ ነቲ ብኣህዛብ እተፈንፈነ፡ ነቲ ጊልያ ገዛእቲ፡ ከምዚ ይብሎ፦ “ብምኽንያት የሆዋ እቲ እሙን፡+ እቲ ዝሓረየካ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ ነገስታት ኪርእዩን ኪትንስኡን፡ መሳፍንቲ ኸኣ ኪሰግዱ እዮም።”   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብግዜ ሞገስ* መሊሰልካ፡+ ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ።+ ንሰባት ኪዳን ገይረ ኽህበካ፡ ንምድሪ ኽትሕድሳ፡ ነቲ ዝባደመ ርስቶም ከተረስትዮም ሓልየካ እየ፣+   እወ፡ ንእሱራት፡ ‘ውጹ!’ ኽትብል፡+ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ፡+ ‘ተርኣዩ!’ ኽትብል፡ ከምኡ ገይረልካ እየ። ኣብ ጥቓ ጐደናታት ኪምገቡ፡ ኣብ ጐድኒ መገድታት* ከኣ መጓሰዪኦም ኪኸውን እዩ። 10  እቲ ዚምሕሮም ኪመርሖም፡+ ዓይኒ ማያት ብዘለዎ ኣቢሉ ድማ ኪወስዶም እዩ እሞ፡+ ኣይኪጠምዩን፡ ኣይኪጸምኡን እዮም፣+ ሃሩር ኣይኬንድዶምን እዩ፡ ወይ ጸሓይ ኣይክትወቕዖምን እያ።+ 11  ንዅሉ ኣኽራነይ፡ መገዲ ኽገብሮ፡ ንጐደናታተይ ድማ ልዕል ከብሎ እየ።+ 12  እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ፡+ እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡ እዚኣቶም ከኣ ካብ ምድሪ ሲኒም ይመጹ ኣለዉ።”+ 13  የሆዋ ንህዝቡ ኣጸናኒዕዎ፡+ ንውጹዓቱ ድማ ምሒርዎም እዩ እሞ፡+ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፣ ኣቲ ምድሪ፡ ተሓጐሲ።+ ኣኽራን ብእልልታ ይተሓጐስ።+ 14  ጽዮን ግና፡ “የሆዋ ሓዲጉኒ፡+ የሆዋ ረሲዑኒ”+ ትብል ኣላ። 15  ሰበይቲዶ ንዚጠቡ ውላዳ ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧ ንውላድ ማሕጸናዶኸ ኸይትርሕርሓሉ ትኽእል እያ፧ እዘን ኣንስቲ እዚአን እኳ እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ።+ 16  እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ቀሪጸኪ ኣለኹ። መካበብያኺ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ። 17  ደቅኺ ቐልጢፎም ይምለሱ። እቶም ዘፍረሱኽን ዘጥፍኡኽን ካባኺ ኺርሕቁ እዮም። 18  ኣዒንትኺ ኣልዕሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ። ኵሎም ይእከቡ ኣለዉ።+ ናባኺ ይመጹ ኣለዉ። “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ፡ “ንዅላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ ከምቲ መርዓት እትገብሮ ኸኣ ክትኣስርዮም ኢኺ። 19  ቦታታትኪ ዝጠፍአን ዝባደመን፡ ምድርኺ ድማ ዝዓነወ እኳ እንተ ነበረ፡+ ሕጂ በቶም ኣብኡ ዚቕመጡ ኺጸብብ እዩ፣+ እቶም ዝወሓጡኺ+ ኸኣ ኪርሕቁ እዮም።+ 20  ውሉዳት ስኢንኪ ኸለኺ እተወልዱ ደቅኺ፡ እናሰማዕኪ፡ ‘እዚ ቦታ እዚ ጸቢቡኒ። ክቕመጦስ ኣርሕብለይ’ ኪብሉ እዮም።+ 21  ብልብኺ ድማ፡ ‘ውሉዳተይ ዝሰኣንኩን መኻንን ምርኽትን እስርትን ስለ ዝዀንኩ፡ ነዚኣቶም ደኣ መን እዩ ዝወለደለይ፧ መንከ ኣዕብይዎም፧+ እንሆ፡ በይነይ እየ ተሪፈ ነይረ፣+ እዚኣቶም ደኣ ካበይ መጺኦም፧’” ክትብሊ ኢኺ።+ 22  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ከልዕል፡ ሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ልዕል ከብል እየ።+ ንሳቶም ንኣወዳትኪ ሓቚፎም ኬምጽእዎም፡ ንኣዋልድኪ ድማ ኪሕንግርወን እዮም።+ 23  ነገስታት ኣለይትኺ ኪዀኑ እዮም፣+ ልዕልትታት ድማ መጕዚታትኪ ኪዀና እየን። ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ፡+ ደሮና ኣእጋርኪ ኸኣ ኪልሕሱ እዮም፣+ ንስኺ ድማ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፣ እቶም ብኣይ ተስፋ ዚገብሩስ ኣይኪሓፍሩን እዮም።”+ 24  ካብ ጅግናዶ እተታሕዙ ምውሳድ ይከኣል እዩ፧ ምሩኻት ጨቋኒዶኸ ምንጋፍ ይከኣል እዩ፧ 25  የሆዋ ግና ኸምዚ ይብል፦ “ምሩኻት ጅግና እኳ ኺውሰዱ፡+ ብጨቋኒ እተታሕዙ ድማ ኪናገፉ እዮም።+ ንዚጻረሩኺ ኽጻረሮም፡+ ንደቅኺ ኸኣ ከድሕኖም እየ። 26  ንዚገፍዑኺ ገዛእ ስጋኦም ከብልዖም እየ፣ ከም ብጕዕሽ ወይኒ ድማ፡ ብገዛእ ደሞም ኪሰኽሩ እዮም። ኵሎም ሰባት* ከኣ ኣነ የሆዋ፡ መድሓኒኽን+ ተበጃዊኽን፡+ እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል+ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ካብ ማሕጸን።”
ወይ፡ “የሆዋ ፍትሒ ኺህበኒ እዩ።”
ወይ፡ “ንዑቕ ዝነፍሱ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”
ወይ፡ “ኣብ ጐድኒ መገዲ ጻጸ።” ወይ፡ “መላጥ ኵርባታት” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”