ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 47:1-15

ትሕዝቶ

  • ውድቀት ባቢሎን (1-15)

    • ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ተቓልዑ (13-15)

47  ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ ውረዲ፡ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ።+ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ዝፋን ኣብ ዘይብሉ ምድሪ ተቐመጢ።+ ደጊምሲ ተነቃፊትን ሕንቅቕትን ኢሎም ኣይኪጽውዑኽን እዮም።   መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ። መጐልበቢኺ ቕልዒ። ወሰን ክዳንኪ ቐንጥጢ፡ ኣእጋርኪ እውን ቅልዒ። ኣፍላግ ተሳገሪ።   ዕርቃንኪ ኪቕላዕ እዩ። ሕፍረትኪ ኺርአ እዩ። ሕነ ኽፈዲ እየ፣+ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ መገደይ ኣይኪቐውምን እዩ።*   “እቲ ተበጃዊና፡ —ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፡— ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”+   ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኪዲ፣+ ደጊም እመቤት* መንግስትታት ኣይኪብሉኽን እዮም።+   ንህዝበይ ተቘጢዐዮ።+ ንርስተይ ፈንፊነዮ፣+ ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሂበዮ።+ ንስኺ ግና ኣይምሓርክዮምን።+ ኣብ ኣረገውቲ እኳ ኸቢድ ኣርዑት ኣንቢርኪ።+   “ወትሩ፡ ንዘለኣለም እመቤት* ክኸውን እየ” ኢልኪ።+ ነዚ ኣብ ልብኺ ኣየሕደርክዮን፣ መወዳእታ እቲ ነገር ኣይሓሰብክዮን።   ሕጂ ድማ፡ ኣቲ ፈታዊት ተድላ፡+ ኣቲ ብደሓን እተቐመጥኪ፡ ኣቲ ብልባ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን።+ መበለት ኣይክኸውንን እየ። ውሉዳት ከቶ ኣይክስእንን እየ” እትብሊ፡ ነዚ ስምዒ።+   እዚ ኽልተ ነገር ብሃንደበት፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጸኪ እዩ፦+ ስእነት ውሉድን ምብልውናን። ብሰንኪ እቲ ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ እቲ ብርቱዕ ስራይክን፡*+ መስፈሪ መሊኡ ኺመጸኪ እዩ።+ 10  ብእከይኪ ተኣሚንኪ። “ሓደ እኳ ኣይርእየንን” ኢልኪ። ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሒቱኪ፣ ብልብኺ ድማ፡ “ኣነ እየ እምበር፡ ካልእ የልቦን” ኢልኪ። 11  ግናኸ፡ መዓት ኪመጸኪ፡ መዐዘሚኺ ኸኣ ኣይኪዓግቶን እዩ።* መከራ ኺወርደኪ እዩ፣ ከተወግድዮ ድማ ኣይክትክእልን ኢኺ። ኣቐዲምኪ ዘይትፈልጥዮ ሃንደበታዊ ዕንወት ኪመጸኪ እዩ።+ 12  ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሉ ስራይን ብዙሕ ኣስማትን እስከ ቐጽሊ።+ ምናልባት ክትጥቀሚ ትኽእሊ ትዀኒ፣ ምናልባት ንሰባት ተፍርሂ ትዀኒ። 13  ብብዝሒ ኣማኸርትኺ ደኺምኪ። እቶም ንሰማያት ዜምልኹ፡* እቶም ንኸዋኽብቲ ዚጥምቱ፡+ እቶም ብዛዕባ ዚመጸኪ ነገራት ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ፍልጠት ዚህቡ፡ ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። 14  እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም። ሓዊ ኼንድዶም እዩ። ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ፡ ርእሶም* ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም። እዝስ ንምማቝ ዚኸውን ጓህሪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ሓዊ ድማ ኣይኰነን። 15  ዓዘምትኺ ንዓኺ ኸምኡ ኪዀኑ፡ እቶም ካብ ንእስነትኪ ዝጸዓርክሎም እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም። ነፍሲ ወከፎም በብኣንፈቶም* ኰለል ኪብሉ እዮም። ሓደ እኳ ዜድሕነኪ የልቦን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንሓደ እኳ ብጽቡቕ ኣይክቕበልን እየ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንግስቲ።”
ወይ፡ “ንግስቲ።”
ወይ፡ “ብዙሕ ኣስማትክን ኵሉ ብርቱዕ ስራይክን እናሃለወኪ ኽነሱ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክትዕዝምዮ ኸኣ ኣይክትክእልን ኢኺ።”
ወይ፡ “እቶም ንሰማያት ዚመቕሉ፣ እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ነናብ ዞባኦም።”