ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኢሳይያስ 41:1-29

ትሕዝቶ

  • ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝተንስአ ሰዓሪ (1-7)

  • እስራኤል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪኸውን ተሓርየ (8-20)

    • “ኣብርሃም ፈታውየይ” (8)

  • ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብድሆ ቐረበሎም (21-29)

41  “ኣትን ደሴታት፡ ስቕ ኢልክን ስምዓኒ፣* ኣህዛብ ሓይሎም ይሓድሱ። ይቕረቡ እሞ ይዛረቡ።+ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።   እቲ ንሓደስ፡ ኣህዛብ ኣሕሊፉ ኺህቦ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ድማ ኬግዝኦ ኢሉ፡+ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዘተንስኦ፡+ ብጽድቂ ኸኣ ናብ ኣእጋሩ* ዝጸውዖ መን እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ሰይፉ ኸም ሓመድ፡ ኣብ ቅድሚ ቐስቱ እውን ከምቲ ንፋስ ዚወስዶ ሓሰር ዝገበሮም መን እዩ፧   ኣእጋሩ ብዘይተጓዕዛኦ መገድታት ብዘይ ዓጋቲ እናሓለፈ ይሰጕጎም።   ንወለዶታት ካብ መጀመርታ ብምጽዋዕ ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ፧ ኣነ የሆዋ፡ ቀዳማይ እየ፣+ ምስቶም ዳሕሮት ድማ ወትሩ ኣነ እየ።”+   ደሴታት ርእየን ፈርሃ። ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ። ቀረቡ፡ መጹ ኸኣ።   ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ይድግፍ፣ ንሓዉ ድማ፡ “በርትዕ” ይብል።   ስለዚ፡ ኢደ ጥበበኛ ንኣንጠረኛ የበርትዖ፣+ እቲ ብሞደሻ ዜጽፍሕ፡ ነቲ ኣብ ወጸቓ ዚቕጥቅጥ የበርትዖ። ብዛዕባ እቲ ብየዳ፡ “ጽቡቕ እዩ” ይብል። ከይክምበል ተባሂሉ ድማ ብመሳምር ጌርካ ይጸንዕ።   “ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ዝሓረኹኻ፡+ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ* ኢኻ፣+   ካብ ወሰናት ምድሪ ዝወሰድኩኻ፡+ ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ከኣ ዝጸዋዕኩኻ ኢኻ። ኣነ ድማ በልኩኻ፦ ‘ንስኻ ጊልያይ ኢኻ፣+ ኣነ ሓርየካ ኣለኹ፣ ኣይነዓቕኩኻን ድማ።+ 10  ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ።+ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትጨነቕ።+ ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡+ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ።’ 11  እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ኺሓፍሩን ኪዋረዱን እዮም።+ እቶም ምሳኻ ዚብኣሱ፡ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።+ 12  ምሳኻ ዚቃለሱ ሰባት ክትደሊ፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን ኢኻ፣ እቶም ዚዋግኡኻ ሰባት ከም ዘየለዉን ከም ዘይነበሩን ኪዀኑ እዮም።+ 13  ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።+ 14  ኣታ ሓሰኻ* ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣይትፍራህ፣+ ኣነ ኽረድኣካ እየ” ይብል የሆዋ እቲ ተበጃዊኻ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ። 15  “እንሆ፡ መኼዲ ገይረካ፡+ ክልተ ዝኣፉ ስኒ ዘለዎ ሓድሽ መኼዲ ገይረካ ኣለኹ። ኣኽራን ክትረግጽን ክትደቍስን፡ ንዅርባታት ከኣ ከም ብቝቡቝ ክትገብሮም ኢኻ። 16  ከተዝርዎም ኢኻ፣ ንፋስ ድማ ኪወስዶም እዩ፣ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ፋሕ ኬብሎም እዩ። ብየሆዋ ኽትሕጐስ ኢኻ፣+ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትምካሕ ኢኻ።”+ 17  “ስኡናትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ ኣለዉ፡ ግናኸ የልቦን። ልሳኖም ብጽምኢ ነቒጹ ኣሎ።+ ኣነ የሆዋ ኽምልሰሎም እየ።+ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ።+ 18  ኣፍላግ ኣብ መላጥ ኵርባታት፡+ ዓይኒ ማያት ድማ ኣብ ጐላጕል ስንጭሮ ኸውሕዝ እየ።+ ንበረኻ፡ ሻምብቆ ናብ ዝመልኦ ራህያ ማይ፡ ማይ ንዘይብሉ ምድሪ ኸኣ ናብ ዓይኒ ማያት ክቕይሮ እየ።+ 19  ኣብ ምድረ በዳ ኦም ቄድሮስን ኦም ሰራውን ኦም ኣደስን ኦም ጽሕዲ ኣለጶን ክተክል እየ።+ ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ኦም ጽሕዲ፡* ምስኡ ድማ ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን ክተክል እየ፣+ 20  ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበሮ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ፡ ኵሎም ምእንቲ ኺርእዩን ምእንቲ ኺፈልጡን ምእንቲ ኬቕልቡን ምእንቲ ኺርድኡን፡ ከምኡ ኽገብር እየ።”+ 21  “ጕዳይኩም ኣቕርቡ” ይብል የሆዋ። “መጐተኹም ኣምጽኡ” ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ። 22  “መርትዖ ኣምጽኡ እሞ፡ እቲ ዚኸውን ንገሩና። ክንሓስበሉን* ውጽኢቱ ኽንፈልጦንሲ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐደመ* ንገሩና። ወይ ብዛዕባ ዚመጽእ ኣስምዑና።+ 23  ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ንገሩና።+ እወ፡ ምስ ረኣናዮ ኽንግረመሉስ፡ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።+ 24  እንሆ፡ ንስኻትኩም ዘየለኹም ኢኹም፣ ሓንቲ እኳ ኣይትዓምሙን ኢኹም።+ ንዓኻትኩም ዚሓሪ ዘበለ ፍንፉን እዩ።+ 25  ንሓደ ኻብ ሰሜን ኣተንሲአዮ ኣለኹ፣ ንሱ እውን ኪመጽእ፡+ እቲ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ ዝዀነ+ ኸኣ ንስመይ ኪጽውዕ እዩ። ከምቲ ሰራሕ ካይላ ንጭቃ ዚረግጾ፡ ንገዛእቲ* ኸም ጸብሪ ኺረግጾም እዩ።+ 26  ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ካብ መጀመርታ፡ ‘ቅኑዕ እዩ’ ኽንብልሲ፡ ካብ ቀደም ብዛዕባ እዚ ዝነገረ መን እዩ፧+ ብሓቂ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረን! ሓደ እኳ ኣየስምዐን! ካባኻትኩም ዝሰምዐስ ሓደ እኳ የልቦን!”+ 27  ቅድሚ ዅሉ ንጽዮን፡ “እነዉ! እነዉ!” ዝበልክዋ ኣነ እየ።+ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣበሳሪ ኽሰድድ እየ።+ 28  ግናኸ፡ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ምኽሪ ዚህብሲ ኻባታቶም ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኪምልሱ ኸኣ መመሊሰ ሓተትክዎም። 29  እንሆ፡ ኵላቶም ናይ ሓሶት* እዮም። ግብርታቶም ገለ እኳ ኣይኰነን። ፍሱስ ምስሎም ንፋስን ብላሽን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ።”
ማለት፡ ኬገልግሎ።
ወይ፡ “ዓርከይ።”
ማለት፡ መከላኸሊ ኣልቦን ትሑትን።
ወይ፡ “ተርሚን።”
ወይ፡ “ፍራሲኖን።”
ወይ፡ “ልብና ናብኡ ኬቕልብን።”
ቃ.ቃ.፡ “ቐዳማይ።”
ወይ፡ “ንመኳንንቲ።”
ወይ፡ “ዘየለዉ።”